Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

watchman


ህዝቅኤል 33:1-33 | 12 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፣ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካባታቶም ሓደ ሰብኣይ ሃላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዛዝዎ፣ ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረአየ እሞ፣ መለኸት እንተ ነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣተንቀቖም፣ ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲንነፍሱ መድሐና ነይሩ። እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየመለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖምሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ። እምበኣርሲ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፣ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ኣታ ረሲእብርግጽ ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ኢልካ ኺጥንቀቕ፣ እንተ ዘይተዛረብካዮ፣ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ። ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ንሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ንስካ ግና ንነፍስኻ ኣድሀንካያ። ኣታ ወዲ ሰብንቤት እስራኤል፣ ንስኻትኩምሲ፣ ኣበሳናን ሓጢኣትናን ኣብ ርእስና እዩ፣ ንሕና ኸኣ ብሰሩ ንሕለል አሎና። ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፡ ኢልኩም ትብሉ አሎኹም፣ በሎም። ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፣ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለምንታይ እትሞቱ፡ ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፣ ተመለሱ፣ በሎም። ኣታ ወዲ ሰብንደቂ ህዝብኻ በሎምጽድቂ እቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዚእብሰላ መዓልቲ ኣይኬድሕኖን እዩ። ረሲእነት እቲ ረሲእ ከኣ፣ በታ ኻብ ርሲእነት ዚምለሰላ መዓልቲ ኣይኬውድቖን እዩ። እቲ ጻድቕሲ በታ ዚእብሰላ መዓልቲ በቲ ጻድቁ ብህይወት ኣይጂነብርን እዩ። ነቲ ጻድቕብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ብጽድቂ ተኣሚኑ እንተ ኣበሰ፣ ንሱ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ ኺመውት እዩ እምበር፣ እቲ ዅሉ ጽድቁ ኣይኪዝከረሉን እዩ። ነቲ ረሲእ ድማ፣ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ሃጢኣቱ እንተ ተመልሰፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረረሲእስ ታሕዚ እንተ መለሰዝዘመቶ እንተ ኸሐሰ፣ ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፣ ንሱ ርግጽ ብህይወት ሚነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። እቲ ዝገበሮ ዘበል ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉንፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ፣ ርድጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ደቂ ህዝብኻ ኸኣ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ይብሉ አለዉ። ግናኸ ኣይቅኑዕሲ መገዲ ርእሶም ደኣ እዩ። ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰዓመጻ ኸኣ እንተ ገበረ ብሰራ ኺመውት እዩ። ረሲእውን ካብ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰፍርድን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ሳላኤን ብህይወት ሚነብር እዩ። ንስካትኩምሲ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ትብሉ አሎኹም። ኣቱም ቤት እስራአኢልንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድኹም ክፈአደኩም እየ። ኰነ ዳም፣ ካብ እምናረኽ ኣብ መበል ኦኣሰርተው ክልተ ዓመቱ፣ ኣብታ ኦኣስረይቲ ወርሒ፣ ነታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ መዓልቲ፣ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ባናይ መጸ እሞ፣ እታ ኸተማስ ተትሒዛበለኒ። እቲ ዘምለጠ ኸይመጸ ኸሎ፣ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረት፣ ንጽባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዚመጸኒ ኸኣ፣ ኣፈይ ከፈተለይ። በዚ ኸምዚ ኣፈይ ተኸፍተለይ፣ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይኰንኩን። ከምዚ ዚብል ቃልእግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ሃገር እስራኤል ዘለዉ፣ ኣብርሃም ሓደ ንበይኑ ነበረ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ተረስተያ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፣ እታ ሃገር ድማ ርስቲ ኽትከውን ንኣና ተዋሂባ እያ፣ ይብሉ አለዉ። ስለዚ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ አሎኹም፣ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣኦታትኩም ቍሊሕ ይብላ ኣለዋ፡ ደም ትኽዕዉ አሎኹም፣ ምስናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም፡ ኣብ ሰይፍኹም ትጽግዑጽያፍ ትገብሩ አሎኹም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብጻዩ የርክስ አሎ፣ ምስ ናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ነሮም፣ ኣነ ህያው እየ፣ እቶም ኣብ ዑናታት ዚነብሩ ብርግጽ ብሰይፊ ኺወስድቁ እዮም፣ ነቲ ኣብ መሮር ዘሎ ኸኣ ንኣራዊት ብልዒ ኪኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕርድን ኣብ በዓትታትን ዚነብሩ ድማ ብፌራ ኪሞቱ እዮም። ኣነ ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ። እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ጥራስ ኪጠፍእ እዩ። ኣኽራን እስራኤል ድማ ዚሐልፈሉ ዜብሉ ዀይኑ ኺባድም እዩ። ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ዘበለ ዅሉ ጽያፎም ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መስክሕን ምስ ገበርክዋ፣ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን ኣብ ኣፍ ደጌታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ አለዉ፣ ንሃድሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፣ እስከ ንዑናይ፣ ካብ እግዚኣብሄር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑይባሃሀሉ አለዉ። ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባካ ይመጹ፣ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡቃላትካውን ይሰምዑ አለዉ፣ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ አለዉ፣ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ። እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፣ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፣ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ አለዉ፣ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ምስ ዚመጽእ ግና፦ እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ፦ ሽዑ ነብዪ ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረ ኺፈልጡ ኡኦም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 33:6 | 8 Helpful votes

እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየመለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖምሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ

Translation | Context
ህዝቅኤል 3:17 | 8 Helpful votes

ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ አሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም

Translation | Context
ኢሳይያስ 62:6 | 8 Helpful votes

የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቚመ አሎኹ፡ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይኪብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ፡ ኣይትዕረፉ

Translation | Context
ኣንባቆም 2:1-20 | 5 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ኽትዔይ ንሱ እንታይ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተተንቂቐ ኽርእስ፣ ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል፣ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ። እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾኢሉ መለሰለይ። እንሆ፣ ነፍሱ ተነፊሓ ኣብኣውን ዘይቅንዕቲ እያ። ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብርወይኒ ኸኣ መጋገዪ እዩ፡ እቲ ዕቡይ ሰብ ኣብ ስፍራኡ ኣይሀድእን፡ ነፍሱ ኸም ሲኦም የግፍህ፡ ከም ሞት እዩ እሞ ኣይጸግብን፡ ንዅላቶም ኣህዛብ ናብኡ ይእክቦም፡ ንዅላቶም ህዝብታት ከኣ ናብኡ ይአኻኽቦም። እዚኣቶም ኵላቶም፣ እቲ ዘይናቱ ዚእክብ፣ ኣብ ረእሱ ኸኣ ዕርቡን ዚጸውር ወይለኡ፣ ክሳዕ መኣዝከ እዩ፡ እናበሉ ብምስላን ብምሳሌ ጸርፍንዶ ኣየልዕልዎን እዮም፡ እቶም ዚነኽሱኻዶ ብድንገት ኣይትንስኡን፡ እቶም ዚንዝንዙኻስ ኣይነቕሁንዶ እዮም፡ ንስካውን ዘመቲኦም ክትከውን ኢካ። ንስኻ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝብታት ድማ ኵላቶም ንኣኻ ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን ኪዘምቱኻ እዮም። እምኒ ካብ መንደቕ ኬእዊ፣ እቲ መጋጥሚ ድማ ካብ ዕጨይቲ ኺመልሰሉ እዩ እሞ፣ እቲ ንቤቱ ልዕል ኬብል፣ ካብ ኢድ መዓት ከኣ ኪድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዚሀርፍ ወይለኡንብዙሓት ህዝብታት ብምጥፋእካ ንቤትካ ነውሪ መኸርካላንነፍስኻውን ሓጣእካ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባህሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፡ ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ፡ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን፧ ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓምጻን፡ እቲ ንሊባኖስ ዝዐመጽካያም እቲ ንእንስሳታት ዜስክሕ ጥፍኣት ዝገበርካዮን ኬጐልብበካ እዩ እሞ፡ እቲ ንብጻዩ ዜስትዮን፡ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወይለኡ። ንስካ ኣብ ክንዲ ኽብርስ ነውሪ ክትጸግብ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ስተ፡ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፡ እቲ ጽዋዕ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፡ ኣብ ልዕሊ ክብርኻ ድማ ነውራም ትፋእ ኪዀነካ እዩ። እቲ ቐራጺኡ ዚቐርጾ ቕሩጽ ምስልስ እንታይ ይጠቅም፧ እቲ ዓያዪ ዓባስ ጣኦታት ገይሩ ብዕዮኡ ዚእመንከ እቲ ፍሱስ ምስልን መምህር ሓሶትን እንታይ ይጠቅም፧ እቲ ንዕጨይቲንቓሕንዓባስ እምኒ ኸኣ፡ ተንስእዚብል ወይለኡ። ንሱዶ ይምህር እዩ፧ እንሆ፡ ንሱ ብወርቅን ብብሩርን ልቡጥ እዩ፡ ኣብ ውሽጡ ኸኣ ገለ እስትንፋስ የብሉን። ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፣ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።

Translation | Context
ኤርምያስ 51:12 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ እተናገሮ ኸምቲ ዝሐሰቦ ይፍጽሞ አሎ እሞ፡ ኣብቲ መካበብያ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉዘብዔኛታት ኣበርትዑሓለውቲ ኣቑሙኣድቢኹም ተዳለዉ

Translation | Context
ኢሳይያስ 52:8 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ናብ ጽዮን ምስ ተመልሰዓይኒ ንዓይኒ ኺርእይዎ እዮም እሞ፡ እቶም ደርቱምኪ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ሐቢሮም እልል ኪብሉ እዮም።

Translation | Context
ነህምያ 4:9 | 3 Helpful votes

ሽዑ ኣብ ኣምላኽና ጸሌና፡ ካባታቶም ኪሕልውና ኸኣ ብመንጽሮም ለይትን መዓልትን ሓለውቲ ኣቖምና

Translation | Context
ኤርምያስ 31:6 | 3 Helpful votes

እቶም ሓለውቲ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬምንዑናይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ጽዮን ንደይብ፡ ኢሎም ዚጽውዑላ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 21:5-12 | 3 Helpful votes

መኣዲ ይዳሎሓለውቲ ይሕልውይብላዕይስተ አሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲተንስኡ ዋልታ ልኸዩእግዚኣብሄርሲኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፡ እቲ ዝረኣዮውን ይንገርበለኒ። ንሱ ኸኣ ጭፍራ ፈረሰኛታት በብኽልተ፡ ጭፍራ ኣእዱግ፡ ጭፍራ ኣግማል ረአየኣጸቢቑ ጽን በለተጠንቂቑ ጽን በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየመዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ አሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታትበብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ ባቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረኢሊ መለሰ። ኣታ እተኼድካ ወዲ ዓውደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልዝሰማዕክዎ ነጊረካ እኔኹ። ጾር ብዛዕባ ዱማ። ካብ ሰዒር፡ ኣታ ሓላዊለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧ ኢሉ የድህየኒ አሎ። እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ ወግሔ መሰየውንክትሐቱ እንተ ደሌኹም ሕተቱመሊስኩም ከኣ ምጹበለ

Translation | Context
ህዝቅኤል 33:1-9 | 3 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፣ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካባታቶም ሓደ ሰብኣይ ሃላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዛዝዎ፣ ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረአየ እሞ፣ መለኸት እንተ ነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣተንቀቖም፣ ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲንነፍሱ መድሐና ነይሩ። እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየመለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖምሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ። እምበኣርሲ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፣ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ኣታ ረሲእብርግጽ ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ኢልካ ኺጥንቀቕ፣ እንተ ዘይተዛረብካዮ፣ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ። ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ንሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ንስካ ግና ንነፍስኻ ኣድሀንካያ

Translation | Context
ህዝቅኤል 33:3-6 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረአየ እሞ፣ መለኸት እንተ ነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣተንቀቖም፣ ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲንነፍሱ መድሐና ነይሩ። እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየመለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖምሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ

Translation | Context
ኢሳይያስ 21:11-12 | 3 Helpful votes

ጾር ብዛዕባ ዱማ። ካብ ሰዒር፡ ኣታ ሓላዊለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧ ኢሉ የድህየኒ አሎ። እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ ወግሔ መሰየውንክትሐቱ እንተ ደሌኹም ሕተቱመሊስኩም ከኣ ምጹበለ

Translation | Context
ነህምያ 7:3 | 2 Helpful votes

ንኣታቶም ድማ፡ ጸሓይ ክሳዕ ዚመሙቕ፡ ደጌታት ዮርሳሌም ኣይርሖ፡ እቲ ደጌታት ከአ ገና እቶም ሐለውቲ ደው ኢሎም ከለውኪዕጾን ኪሽጎርንነቶም ህዝቢ ዮርሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብታራኡነፍሲ ወከፍ ከአ ቀቅድሚ ቤቱ ይሐሉበልክዎም

Translation | Context
ህዝቅኤል 34:1-31 | 2 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ፡ ነቲ ስቡሕ ትበልዑጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩንንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምንንዝሐመመት ኣይፈወስኩምንንተሰብረት ኣይዘነንኩምንንተባረረት ኣይመለስኩምንንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምንብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወንጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ። ኣባጊዔይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፣ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፣ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን። ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶትቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኣባጊዔይ ተዘሪፈን፣ ኣባጊዔይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፣ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፣ ጓሶትይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፣ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፣ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፣ ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶትቃል እግዚኣብሄር ስምዑእግዚኣብሄር ኣምላኽሲ እንሆ፣ ኣብቶም ጓሶት እጥልቕ አሎኹ፣ ኣባጊዔይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፣ ጕስነት ኣባጊዔይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፣ ካብ ኣፎም ክምንዝዔን እየ፣ ይብል አሎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፣ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ። ከምቲ ጓሳ፣ በታ እተን መጓሲኡ ፋሕ ዚብላላ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዚደልየን፣ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዔይ ክደልየን፣ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናን ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ። ካብ ህዝብታት ከውጽኤን፣ ካብ ሃገራት ክእክበን፣ ናብ ሃገረን ድማ ክመልሰን፣ ኣብ ኣኽራን እስራኤልን ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ ኣብቲ ሰብ ዚነብረሉ ኵሉ ቦታ እታ ሃገርን ክጓስየን እየ። ኣብ ልሙዕ መጓስዪ ኸውፍረን እየ፣ ደምቢኤን ከኣ ኣብቲ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል ኪኸውን እዩ። ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ ደምበ ኺድቅሳ፣ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ኪጓሰያ እየን። ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ክወፍረን ባኦለይ ድማ ከስፍረን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽዝጠፍኤት ክደሊእተባረረት ክመልስእተሰብረት ክዘንንዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ፣ ነታ ዝሰብሔትውን ዝበርትዔትን ግና ከጥፍእብፍርዲውን ክጓስየን እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣትን ኣባጊዔይ፣ እንሆ፣ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፣ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ። ነቲ ካብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፣ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒድኩም እዩ፧ ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎስ፡ እቲ ጽሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒድኩም እዩ፧ እሞ እተን ኣባጊዔይሲ እቲ ብእጋርኩም እተረግጸዶ ኺበልዓ፣ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ኪሰትያ እየን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ፣ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣብጊዕን ክፈርድ እየ። ንዅለን እተን ዝሐመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጕጕኩም ፋሕ እተብልወን፣ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወንበቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፣ ስለዚ ኣነ ነባጊዔይ፣ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፣ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ። ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳዳዊት ባርያይከተንስኣለን እየ። ንሱ ኺጓስየንጓሳኤን ድማ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ኪኸውን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ። ኣነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ከኣቱንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከኣ ኣብ በረኻ ሀዲኤን ኪነብራ፣ ኣብ ዱርውን ኪድቅሳ እየን። ኣነ ኸኣ ንእኤንን ነቲ ኣብ ዙርያ ዂርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ። ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፡ ዝናም በረኸትውን ኪኸውን እዩ። ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፣ ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ፣ ኣብ ሃገሮም ከኣ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም። ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፣ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከኣ ምስ ኣናገፍክዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ድሕርዚ ዘመተ ህዝብታት ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም። ኤረ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም፣ ዜፍርሆምውን የልቦን። ንናእዳ ዚዀኖም ተኽሊ ኸተንስኣሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብጥሜት ኣይኪጠፍኡን፣ ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት ኣይኪጾሩን እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾምሲ ምሳታቶም ከም ዝዀንኩ፡ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝኾኑ ኺፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኣቱም ኣብጊዔይኣብጊዕ መውፈረይ፣ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 3:3 | 2 Helpful votes

ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ፧ ኢለ ኸኣ ሐተትክዎም።

Translation | Context
ምሳሌ 8:34 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየብየዕለቱ ደገይ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ።

Translation | Context