Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

2 bible verses about

wedding ceremony


ኤፌሶን 5:21-33 | 4 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦምከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:7-16 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልናኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርናኣምላኽ ኣባና ይነብርፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብርበዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመንኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብርኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።

Translation | Context