Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

who god is


ዮሃንስ 4:24 | 9 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 8 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:8 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 22:13 | 6 Helpful votes

ኣልፋን ኦሜጋንቀዳማይን ዳሕራይንመጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ

Translation | Context
ዘዳግም 32:4 | 5 Helpful votes

ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፣ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፣ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፣ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:2 | 5 Helpful votes

በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:16 | 4 Helpful votes

ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብርኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:1-24 | 4 Helpful votes

ርኣዩውሉድ ኣምላኽ ክንብሀልእቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበናከምእውን ኢናስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። ኣቱም ፍቁራተይሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢናእንታይ ከም እንኸውን ከኣገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞንእኡ ኸም እንመስልንፈልጥ አሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነንርእሱ የንጽህ አሎ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብርምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብርሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦንእቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውንደቀየሓደ እኳ ኣየስሕትኩምከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነእቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኡሉ እዩ ነዚ እተገልጸካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውንሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነንውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹንሓድሕድና ክንፋቐር፡ እዚኣ እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹንስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣሕዋተየዓለም እንተ ጸልኣትኩምኣይትገረሙንሕናነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርናንፈልጥ አሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብርንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብርትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ። ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈናኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣቱም ፍቁራተይልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎናንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐርትእዛዙ እዚ እዩ። እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሀበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:16 | 3 Helpful votes

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎዚርኤን ዘይርኤንዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነትሕልቅነት ወይስ ስልጣናትኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ

Translation | Context
ዘሁልቍ 23:19 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከይሕሱሰብ ኣይኰነንከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶእተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ

Translation | Context
ዘጸአት 3:14 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴእቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹበሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ አሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒበሎም

Translation | Context
ሉቃስ 18:27 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከአሎንኣምላኽ ይከኣአሎ እዩ፡ በሎም

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:45 | 2 Helpful votes

ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለአኸኒውን ይርእዮ

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 2 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:9-10 | 2 Helpful votes

እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ እንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይበልጽ እዩ። ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ አለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ አሎ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 1:17 | 2 Helpful votes

እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስዘይሐልፍዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን

Translation | Context
ዮሃንስ 8:24 | 2 Helpful votes

ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩምብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።

Translation | Context
ዘዳግም 4:31 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኣይሐድገካን ኣየጥፍኣካን፡ ነቲ ምስ ኣቦታትካ ዝመሐሎ ኺዳን ኣይርስዖን።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:3-6 | 2 Helpful votes

ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩንኣናብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡- ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩምምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና

Translation | Context
መዝሙር 11:7 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ጻድቕንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ወጽመድ ኬዝንምዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 7:9 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፍለጥ

Translation | Context