Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ክልተ ኣንስቲ፣ ሓንቲ ዘዲኤን ኣዋልድ፣ ነበራ። እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ። ገና በዋልደን ከለዋ ኣመንዘራ፡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቀቐ። ኣስማተን ከኣ፣ እታ ዓባይ ኦሆላ፣ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሀላ ነበራ። ናተይ ኰና፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ስማተን ከኣ ኦሆላ ሰማርያ እያ፣ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ። ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላስ ዘመወት። ፍትወታ ባቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ዀነ። ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸድኑ መሳፍንትን መኳንንትን፣ ኵላቶምውን መልክዔኛታት ኣባጽሕ፣ ኣብ ኣፍራስ ዚቕመጡ ፈአሰኛታት ነበሩ። ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከኣ ኣመንዘረት፣ ፍትወት ኣብ እተላዕላ ምስ ኵሎም ጣኦታቶም ድማ ረኸሰት። ምስናይ እዚ ኸኣ ነቲ ምስቶም፣ ብጓላ ኸኣ፣ ምስኣ ዝደቀሱን ድንግል ሕጽና ዝደርቀቑን ዝሙቶም ዝኸዐዉላን ግብጻውያን ምዝማዋ ኣይሐደገትን። ስለዚ ኣብ ኢድ እቶ ፈተውታ፣ ብፍትወት ምሳታቶም ነዲዳ ዝነበረት፣ ኣብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር መጦኽዋ። ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቀልዑ፣ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፣ ንእኣ ድማ ብሰይፊ ቀተልዋ። ኣብ ማእከል ኣንስቲ ኽፉእ ስም ወጸ፣ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈርደ። ኦሆሊባ ሓብታ ኸኣ እዚ ረአየት፣ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፣ ምንዝርንኣ ድማ ካብ ምንዝርና ሓብታ በዝሔ። ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር፡ መሳፍንትን መኳንንትን ዜሐብን ክዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ኣፍራስ ኣተቀመጡ ፈረሰኛታት፡ ኵሎም መልክዔኛታት ኣባጽሕ፡ ብፍትወት ነደደት። ንሳውን ከም ዝረኸሰት ርኤኹ፣ ክልቲኤን ሓደ መገዲ ኸዳ። ንሳ ግና ብምንዝርንኣ ሓለፍ በለት፣ ኣብ መንደቕ ከኣ ስእሊ ሰብኡት፣ ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተሳኢሉ። ቅናት ኣብ ሕቝኦም ተዐጢቖም፣ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ርእሶም፣ ኵላቶም መኳንንቲ፣ ኣብታ እተወልዱላ ሃገር ከለዳውያን ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዚመስሉ ረአየት። በዒንታ ምስ ረአየቶም ኣባታቶም ብፍትወት ነደደት፣ ናብ ሃገር ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም። ደቂ ባቢሎን ከኣ ናብኣ መጹ ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፣ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ። ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፣ ነፍሳ ኻብኦም ኣግለሰት። ዝሙታ ምስ ገለጸት፣ ዕርቃና ምስ ቀልዔት፣ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓብታ ዘግለሰት፣ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት። ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘመንዘረቶ ዘኪራስ፣ ምንዝርንኣ ኣብዝሔት። ምስቶም ዘመውቲ፣ ስጋኦም ከም ናይ ኣድጊ ስጋ፣ ዘርኦም ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዀነ ኸኣ፣ ብፍትወት ነደደት። ከምኡ፣ እቶም ግብጻውያን ኣባት ጕርዝነት ከሎኺ ዝደርቀቑኺ፣ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ። ስለዚ ኣቲ ኦሆሊባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻባታቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ ኸተንስኣልኪ እየ። ኪጻረሩኺ እኳ ካብ ኵሉ ወገን ከምጽኦም እየ። ባቢሎናውያንን ኵሎም ከለዳውያንን ጴኮድን ሾዓን ቆዓን፡ ምስኦም ከኣ ኵሎም ኣሶራውያንን፡ መልክዔኛታት ኣባጽሕ፡ መሳፍንትን መኳንንትን ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጥ ሓላቑን ውሩያትን፡ ንሳቶም ኣጽዋርን ሰረገላታትን መንኰራዅርን ሒዞም፣ ምስ ብዙሕ ከተቴ ህዝብታት ኪጻረሩኺ ኺመጹ እዮም። ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም ብዙርያኺ ኺቃወሙኺ እዮም። ኣነ ኸኣ ፍርዲ ኽህቦም እየ፣ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ኪፈርዱኺ እዮም። ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብነድሪ ኺመዐቱኺ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ኪቘርጹ እዮም፣ እቲ ኻባኺ ዚተርፍ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ። ነወዳትክን ነዋልድክን ኪማርኽዎም፣ እቲ ኻባኺ ዚተርፍውን ብሓዊ ኪዅመም እዩ። ክዳውንትኺ ኪቕንጥጡኺ፣ ክቡር ስልማትኪ ኺወስዱልኪ እዮም። ኣዒንቲኺ ናባታቶም ቍሊሕ ከይተብልን፣ ድሕርዚ ኸኣ ግብጺ ኸይትዝክርንሲ፣ ነቲ ኻብ ግብጺ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብ እቶም እትጸልእዮም፡ ናብ ኢድ እቶም ነፍስኺ ኻብኦም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፡ ብጽልኢ ኺካየዱኺ፣ ዅሉ ጻማ ድኻምኪ ኺወስዱልኪ፣ ዕርቕትን ንውልቅኽን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም። ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ኪግለጽ እዩ። ደድሕሪ ህዝብታት ዒልዒል እናበልኪ ስለ ዝመንዘርኪ፣ ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፣ እዚ ነገር እዚ ኺወርደኪ እዩ። ብመገዲ ሓብትኺ ኸድኪ፣ ስለዚ ኸኣ ኣነ ናታ ጽዋእ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝዀነት ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዪ ኢኺ። ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ መስሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ። እታ ጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያስ ጽዋእ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፣ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ። ኣነ እየ እተዛረብኩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፣ ክትሰትይያን ክትጽንቅቕያን ገልዑ ኸኣ ክትነኽስን፣ ኣፍ ልብኺ ድማ ክትስንጥቕን ኢኺ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ንስኺ ረሲዕክኒ፣ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፣ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናክን ጹሪ። እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ፡ እምብኣርስ ጽያፈን ንገረን። ዘምየን እየን እሞ፣ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፣ ምስ ጣኦታተን ዘምየን፣ ነቶም ንኣይ ዝወለድክዎም ደቀን፣ ሓዊ ኺበልዖምሲ፣ ብእኡ ኣሕለፋኦም። ኣብ ርእሲኡውን እዚ ገበራኒ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣጸየፋ፣ ሰናብተይ ከኣ ኣርከሳ፣ ደቀን ንጣኦታተን ምስ ሐርዳኦም፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኼርክስኣ ናብ መቕደሰይ መጻ። እንሆ፣ ኻብ፣ ኣብ ማእከል ቤተይ ከምዚ ገበራ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ሰብኡት ለኣኻሎም። ልኡኽ ተላእኮም፣ እንሆ፣ ውን መጹ። ተሐጸብክሎም፣ ኣዒንትኺ ተዀሐልክሎም፣ ብስልማትውን ተሰለምክሎም። ኣብ ጽቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ። ኣብኣ ድምጺ ሕጉሳት ሰብ ነበረ። ናብቲ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰብ ኻብ በረኻ ኣምጽኡ። ንሳቶም ከኣ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፣ እጹብ ዘውዲውን ኣብ ኣርእስተን ገበሩ። ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝኣረገት፣ ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ አለዉ፣ በልኩ፣ ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዚኣትዉ፣ ናብኣ አተዉ። ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን አተዉ። ጻድቃን ሰባት ከኣ፣ ዘመውቲ ስለ ዝዀና ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፣ ከምቲ ንዘመውቲ፣ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዚፍረደን ገይሮም፣ ኪፈርድወን እዮም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣኼባ ህዝቢ ኸውጽኣለን እየ እሞ፣ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ። ኣኼባ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልወን፣ በስያፎም ኪቘራርጽወን፣ ነወዳተንን ነዋልደንን ኪቐትልዎም፣ ኣባይተንውን ብሓዊ ኼንድዱ እዮም። ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ከገብራ፣ ምእንቲ ኺመዐዳስ፣ ንምንዝርና ኻብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ። ንምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ኬንብሩልክን እዮም፣ ሓጢኣት ጣኦታትክን ድማ ክትጾራ ኢኽን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።
Translation | Contextከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።
Translation | Contextደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ። ከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ አሎኹም። ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ። እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል። እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ። ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።
Translation | Contextኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቍረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቁረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
Translation | Context