Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።
Translation | Contextክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር።
Translation | Contextእምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።
Translation | Contextብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።
Translation | Contextሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።
Translation | Contextንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል።
Translation | Contextካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ ኣብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።
Translation | Contextንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
Translation | Contextከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ።
Translation | Contextብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
Translation | Contextእንሆ፣ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፣ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ። ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፣ ኣብ ጭሕሚ፣ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፣ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብኣ በረኸትን ህይወትን ንዘለአለምን ኣዚዙ እዩ እሞ፣ ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዓረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።
Translation | Contextኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቊበ አሎኹ፣ ከመይ ደኣ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፧ ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣ እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣ ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ። መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፧ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፣ ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፣ ኣዒንቱ ይጥምታ፣ ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም ኣለዋ። እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም። እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ወጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Context