Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

wife


ምሳሌ 18:22 | 17 Helpful votes

እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል

Translation | Context
ኤፌሶን 5:25 | 8 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:7 | 7 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:24 | 7 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
ምሳሌ 14:1 | 6 Helpful votes

ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ

Translation | Context
ምሳሌ 31:10-31 | 6 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮንጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦምነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክልሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢመብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣእዳዋ መፍተል የልዕላኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎምንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። ኵሎም ስድራኣ ሰብ ደርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን። ንርእሳ ምንጻፋት ትገብርክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ። ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥመቐነት ነጋዳይ ትህቦሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉእንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕንደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:22 | 5 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 4 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:31 | 4 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ

Translation | Context
ምሳሌ 19:14 | 4 Helpful votes

ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:4 | 4 Helpful votes

ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:33 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ምሳሌ 31:10 | 3 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:18-19 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነንንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረእንታይ ከም ዚሰምየን ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉስሙ ንሱ ዀነ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:7-9 | 3 Helpful votes

ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦምኪፈትሕዋ ኣዘዘበልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:24 | 3 Helpful votes

ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:3 | 2 Helpful votes

ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡

Translation | Context
ማቴዎስ 5:32 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context