Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎ። ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ። የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ። ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም። የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብክ ጀመረ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረአየ። የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ። ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረአየ እሞ ጸውዖም። ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ። የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸ። ንዅሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።
Translation | Contextኣነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ከኣቱ፣ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከኣ ኣብ በረኻ ሀዲኤን ኪነብራ፣ ኣብ ዱርውን ኪድቅሳ እየን።
Translation | Contextሙሴ ድማ ኣባጊዕ የትሮ ሓሙኡ፡ ካህን ሚድያን፡ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናኸብከበን ናብ ክንየው በረኻ፡ ናብ ሆሬብ ከረን ኣምላኽ፡ መጸ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቘልዓ ሰምዔ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። ነቲ ቘልዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፡ በላ። ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላ፡ ዔላ ማይ ከኣ ረአየት። ከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ። ኣምላኽ ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓበየ፡ ኣብ በረኻውን ተቐመጠ፡ ቀስተኛ ኸኣ ዀነ። ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ሃገር ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ።
Translation | Contextመልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ። ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋር፡ ግዝእቲ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ አሎኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፤ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሀድም አሎኹ፡ በለት። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊ፡ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይክኣል፡ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ።
Translation | Context