Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውን። ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኡሉ እዩ ነዚ እተገልጸ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።
Translation | Contextእምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextዓመጻ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት አሎ።
Translation | Contextኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextእምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextርኤ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ። ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ አሎኹ።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Contextሓደ ሰብ ብጌጋ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣርሕዶ ዓመት የቕርብ። ነቲ ብጌጋ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ከኣ ንምትዕራቑ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ሽዑ ይሕደገሉ እዩ። ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዚግበር ነገር ንወዲ ዓዲ ኻብ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም። ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ እቲ ብልዕልቲ ኢድ ሓጢኣት ዚገብር ሰብ ግና፡ ንሱ ንእግዚብሄር ኣዋሪዱ እዩ እሞ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ይመንቈስ። ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፡ ትእዛዙ ኸኣ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ንሱ ፈጺሙ ይመንቈስ፡ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ።
Translation | Contextእቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።
Translation | Contextንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
Translation | Contextእምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒ፡ ያእ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዜምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ኪኸውን እዩ። ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ።
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።
Translation | Context