Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃይ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ።
Translation | Contextኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ። ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ። መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ። እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡ ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን።
Translation | Contextተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን፡ በሎም። ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ።
Translation | Contextብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፣ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፣ ከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፣ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፣ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ። ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፣ ኣብ ከርን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።
Translation | Contextካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።
Translation | Contextብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።
Translation | Contextካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።
Translation | Contextኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዅሉ ተግባር ርኤኹ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
Translation | Contextብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።
Translation | Contextኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
Translation | Contextቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ። ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ። ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዓብዎ። የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፦ ትርጉሙ መምህር፦ ኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲህ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፦ ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ። ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።
Translation | Contextንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሐስቡ አሎኹም፡ እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዚዛረብ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextጴጥሮስን ዮሃንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ። ካብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸም ዝደለዩ ምስ ረአዮም፡ ኪምጽዉቱሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ፡ ናባና ጠምት፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም። ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ፡ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ጸንዔ። ስር ኢሉ ኸኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ኪኸይድን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ። እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዮምዎ፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባድን ብምግራምን መልኡ። ኣብ ጴጥሮስን ዮሃንስን ለጊቡ ኸሎ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ እናተገረመ ኣብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሀል ናባታቶም ጐየየ። ጴጥሮስ ግና ምስ ረአዮም፡ ነቶም ህዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ፡ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ አሎኹም። ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንወዱ የሱስ ኣኽበሮ፡ ጲላጦስ ኪፍታሕ ምስ ፈረደሉ፡ ንስኻትኩም ንእኡ ኣሕሊፍኩም ሀብኩምዎን ኣብ ቅድሚኡ ኸሓድኩምዎን። እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቅዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ነፍሲ ዝቐተለ ሰብኣይ ኪምሕረልኩም ለመንኩም። ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንስኦ፡ ንሕና ኸኣ፡ ነዚ ምስክሩ ኢና። ብስሙ ምእማን ከኣ፡ ስሙ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፡ እታ ብእኡ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዂላትኩም ምሉእ ጥዕና ሀበቶ። ሕጂ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ከምቶም መኳንንትኹም ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡ እፈልጥ አሎኹ። ግናኸ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚረክብ፡ ኣምላኽ ቅድም ብኣፍ ኲላቶም ነብያት ዝነገሮ ኸምኡ ፈጸሞ። እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ። ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ፡ በለ። ኲላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ዂላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሰሩ። ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ እቲ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳንን ኢኹም። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዂሉ ናባኻትኩም ለአኾ።
Translation | Context