Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

wisdom and knowledge


ያእቆብ 1:5 | 8 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:7 | 6 Helpful votes

ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ

Translation | Context
ምሳሌ 2:1-22 | 5 Helpful votes

ወደየእዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡ እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ፡ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ፡ ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ። ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቍባንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ። ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኽተስተውዕል ኢኻ። ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡ ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስምኽሪ ኽትሕልወካምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ። ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡ ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም። ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋውዩ፡ ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ። ካብታ ንፈታዊ ንእስነታ ዝሐደገቶንኺዳን ኣምላኻውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ። ቤታ ናብ ሞትመገዳ ኸኣ ናብ ምዉታት ዜንቈልቍል እዩ እሞ፡ ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም። እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩእቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምብኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋረሲኣን ግና ካብ ምድር ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 111:10 | 5 Helpful votes

ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፣ ዚገብርዎ ዅሎም ሰናይ ልቦና አለዎም። ምስጋናኡ ንዘለአለም ይነብር

Translation | Context
መክብብ 7:12 | 4 Helpful votes

ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህይወት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 11:2 | 3 Helpful votes

ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 3 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲተጠንቀቑ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:4 | 3 Helpful votes

እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7-8 | 3 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩምድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:19-20 | 3 Helpful votes

ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽእግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ አሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን።

Translation | Context
ምሳሌ 4:1-27 | 2 Helpful votes

ኣቱም ቈልዑተግሳጽ ወላዲ ስምዑልቦና ኽትፈልጡ ኸኣ ኣቕልቡጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም አሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ። ኣነውን ነቦይ ውሉድንወላዲተይ ከኣ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ። ሽዑ ኣስተምሀርኒ በለኒውንልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ። ንጥበብ ኣጥርያንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብልኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ክትሕልወካኣፍቅራ፡ ንሳውን ክተዕቍበካ እያ። ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ከተብለካ እያእንተ ሐቔፍካያከተኽብረካ እያ። ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ። ወደየስማዕቃለይ ድማ ተቐበልዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ። ብጐደና ጥበብ መሀርኩኻብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻከትከይድ ከሎኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢካ። ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛኣይትሕደጋሐልዋውን፡ ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሐቕብእኣ ኣይትሕለፍኣግልሰላክንየዋ ኺድእንጌራ ረሲእነት ይበልዑወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩእከይ ከይገብሩ ኸኣ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርርመገድ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ። መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡንወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንንንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀንኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረንህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮንውስልትና ኸናፍር ከኣ ካባኻ ኣርሕቆኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹንንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ

Translation | Context
ሮሜ 1:22-25 | 2 Helpful votes

ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜንንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉንኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም

Translation | Context
ያእቆብ 3:15-18 | 2 Helpful votes

ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊትልእምቲሰማዕምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤትብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 1:7-12 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ ድማ በሎሰሎሞን ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ንስኻ ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ኣንገስካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽምብዛሑ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝዀነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ነቦይ ዳዊት ዝነገርካዮ ቓል ሕጂ ፈጽሞ። ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን፡ እዚ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምፍራድ ምእሻቲ ኽትክእልስ፡ ጥበብን ፍልጠትን ኪውሀበካ ስለ ዝለመንካ እምበር፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ወይ ነፍሲ ጸላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ኻብ ዘይለመንካስጥበብ ፍልጠትን ተዋሂቡካ አሎ። ድማ ቅድሜኻ ንዝዀነ ዘበለ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፡ ብድሕሬኻ ዚትንስእ ዘበለውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ክህበካ እየ፡ በሎ።

Translation | Context