Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።
Translation | Contextናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።
Translation | Contextሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙት፡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
Translation | Contextናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡
Translation | Contextነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።
Translation | Contextእቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቊልን ነበረ፡ መንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ኬዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።
Translation | Contextዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ።
Translation | Contextእቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።
Translation | Contextእምበኣርሲ ኣቲ ግዲ ዂሉ ዜብልኪ፡ ብልብኺ ኸኣ፡ ኣነ ጥራይ እየ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን፡ ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ፡ እትብሊ ተሰዋኒት፡ ነዚ ስምዒ፡ ክልቲኣተን፡ ስእነት ውሉድን ምብልውናን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ድንገት ኪመጻኺ እየን። ምንም እኳ ጥንቊልናኺ እንተ በዝሔ፡ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዔ፡ ብምሉእ መስፈር ኪመጻኺ እየን። ብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዚርኣየኒ የልቦን፡ በልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሐተኪ፡ ብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ። ስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ኪመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ኪወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ኪወርደኪ እዩ። ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስ፡ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዐርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ፡ ቕረቢ። ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።
Translation | Contextብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ።
Translation | Contextንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።
Translation | Contextሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ። ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ።
Translation | Context