Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

witches


ዘጸአት 22:18 | 16 Helpful votes

ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 7 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 7 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:27 | 7 Helpful votes

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙትብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:31 | 5 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 4 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 28:7 | 3 Helpful votes

ሽዑ ሳኦል ንገላዉኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስመንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይበሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔን-ዶር አላ፡ በልዎ።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 3 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:14 | 3 Helpful votes

ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 13:8-10 | 3 Helpful votes

ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡ ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ኪመልሶ ደልዩ ተቓወሞም። እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎጠመቶ እሞ፡ ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዐርፍን ኢኻ፧

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-12 | 3 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:18-20 | 3 Helpful votes

ካብቶም ዝአመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን

Translation | Context
2ይ ነገስት 21:6 | 2 Helpful votes

ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 2 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 2 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13 | 2 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:16-19 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረትጳውሎስ ድማ ጒህዩግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስካብኣ ኽትወጽእብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ። ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረአዩንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡

Translation | Context
ኢሳይያስ 47:8-12 | 2 Helpful votes

እምበኣርሲ ኣቲ ግዲ ዂሉ ዜብልኪ፡ ብልብኺ ኸኣ፡ ኣነ ጥራይ እየ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን፡ ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ፡ እትብሊ ተሰዋኒት፡ ነዚ ስምዒክልቲኣተን፡ ስእነት ውሉድን ምብልውናንብሓንቲ መዓልቲ ድንገት ኪመጻኺ እየን። ምንም እኳ ጥንቊልናኺ እንተ በዝሔ፡ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዔብምሉእ መስፈር ኪመጻኺ እየን። ብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዚርኣየኒ የልቦንበልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሐተኪብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ። ስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ኪመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ኪወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ኪወርደኪ እዩ። ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዐርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪቕረቢ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:16 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና

Translation | Context
ዳንኤል 2:27 | 2 Helpful votes

ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ

Translation | Context
ያእቆብ 2:19 | 2 Helpful votes

ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻጽቡቕ ገበርካኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።

Translation | Context