Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

witnessing to others


ማርቆስ 16:15 | 13 Helpful votes

በሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 9 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:7-8 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮምይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 | 6 Helpful votes

መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

Translation | Context
ማቴዎስ 5:16 | 5 Helpful votes

ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 4:2-6 | 3 Helpful votes

ጸሎት ኣዘውትሩብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲምዝራቡ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩጊዜ እናዓደግኩምምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:18-20 | 3 Helpful votes

የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 2 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:19-20 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ሮሜ 1:16 | 2 Helpful votes

ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 2 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕልዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 2 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:8-12 | 2 Helpful votes

ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱር ኣይትሕፈር። ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን። ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዓሮንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣህዛብ ክኸውን ተሸምኩብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላዉ ኸም ዚከአሎ ተረዲኤዮ አሎኹ እሞ፡ ኣይሐፍርን እየ።

Translation | Context
መዝሙር 40:9-10 | 2 Helpful votes

ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹንጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ። ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎንእሙን ምዃንካን ምድሓንካን ነገርኩሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሓባእኩን

Translation | Context