Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all21 bible verses about
ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
Translation | Contextኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።
Translation | Contextከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextእቲ ኻብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ተበጃዊኻ፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ዂሉ ዚገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ንሰማያት በይነይ ዝዝርግሖ፡ ብዘይ ደገፍ ከኣ ንምድሪ ዝኻስሶ፡
Translation | Contextእቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሀነጸና ሓደዶ ኣይኰነን፧
Translation | Contextእቲ ዝሰርሓካን፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካን፡ ዚድግፈካን እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ንስኻውን ይሹሩን ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ። ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።
Translation | Contextእምበኣርሲ እቲ ኣነ ባርያኡ ክኸውን፡ ንያእቆብ ናብኡ ኽመልሶ ንእስራኤልውን ናብኡ ኽእክቦ ኢሉ፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነኒ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፡ - ኣነስ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክቡር እየ፡ ኣምላኸይ ከኣ ሓይለይ ኰነ፡ -
Translation | Contextግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጻእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ። ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
Translation | Contextእቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጻጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና
Translation | Contextኣእዳውካ ንዂለንትናይ ደኰና፡ ሰርሓኒውን፡ ግናኸ ተጥፍኣኒ አሎኻ። ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክር፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ሓመድ ትመልሰኒ አሎኻ። ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፡ ከም ርግኦስ ኣየርጋእካንን ኢኻ፧ ቈርበትን ስጋን ኣልበስካኒ፡ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ። ህይወትን ጸጋን ሞገስካኒ፡ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሐለዎ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፡ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ኢሉ ኣብ ቤት ኣቢሜለክ ንዝነበረ ዅሉ ማህጸን ፈጺሙ ዐጽይዎ ነበረ እሞ፡ ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ ለመነ። ኣምላኽውን ንኣቢሜለክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወየ፡ ወለዱ ኸኣ።
Translation | Contextኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ፧ ይብል ኣምላኽኪ።
Translation | Contextኣትን ደሴታት፡ ስምዓኒ፡ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ህዝቢ፡ ጽን በሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ ማሕጸን ጸውዓኒ፡ ካብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ስመይ ዘከረ።
Translation | Contextእግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።
Translation | Contextበቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝአመነት ብርኽቲ እያ። ማርያም ድማ በለት፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ሓያሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።
Translation | Contextብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ አሎና እሞ፡
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልኤት ርእዩ፡ ማሕጸና ኸፈተላ። ራሄል ግና መኻን ነበረት።
Translation | Context