Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

word of knowledge


1ይ ቈረንቶስ 12:8 | 7 Helpful votes

ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:1-40 | 4 Helpful votes

ንፍቕሪ ስዓብዋንመንፈሳዊ ውህበትምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ አሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ። እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሃንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሃንጽስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ አሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢኣሕዋተየሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይወይ ብፍልጠትወይ ብትንቢትወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍእቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት አሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን። እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹመንፈሰይ እዩ ዚጽሊኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧ ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን አሎኻእቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸንሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን አሎኹ። ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ አሎኹኣሕዋተየበእምሮ ሰብኡት ኩኑብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበርብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። ኣብ ሕጊነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚአምኑ ኣይኰነንትንቢት ግና ነቶም ዚአምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተአከበትኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወኲላቶም ይገንሕዎኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ። ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩክትእከቡ ኸሎኹምነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበርብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተእንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበልንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበልኲላቶም ምእንቲ ኺምሃሩ ዂላቶምውን ኪምዓዱስኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞገለ ኺምሃራ እንተ ደለያኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎእዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ኺፈልጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦኣሕዋተየስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 3 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ሆሴዕ 4:6 | 2 Helpful votes

ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካሕን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 | 2 Helpful votes

መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

Translation | Context
ማቴዎስ 24:35 | 2 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 13:1-23 | 2 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቶም ዚንበዩ ዘለዉ ነብያት እስራኤልሲ ኣንጻሮም ተነበየሎም፣ ነቶም ካብ ልቦም ሀንዲሶም ዚንበዩ ዘለዉውን፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑኢልካ ንገሮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነቶም ገለ ኸይርእዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዚስዕቡ ዓያሱ ወይለኦምይብል አሎ። ኣታ እስራኤልነብያትካ ኸም እተን ኣብ ምድረ በዳ ዚነብራ ወኻሩ እዮም። በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቈሙስ፣ ናብቲ ፍራስ ኣይወጻእኩምን፣ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቀጽሪ ኣይሰራሕኩምን። እቶም እግዚኣብሄር ከይለኣኾምሲ፣ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፣ ኢሎም ቃሎም ከም ዚፍጸም ዘተስፍዉከንቱነትን ትንቢት ሓሶትን እዮም ዝረኣዩ። ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፡ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፡ ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝርኤኹምዎትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሶትውን ስለ ዝርኤኹም፣ ስለዚ እኔኹ ተሀንዲደኩም አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኢደይ ከኣ ነቶም ከንቱነት ዚርእዩን ሓሶት ዚንበዩን ዘለዉ ነብያት ተጻሪራቶም አላ። ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይኪህልዉን፣ ኣብ ደብተር ቤት እስራኤል ድማ ኣይኪጸሐፉን፣ ናብ ሃገር እስራኤል ከኣ ኣይኪኣትዉን እዮም፣ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ሰላም ዜልቦ፣ ሰላም አሎ፣ ኢሎም ንህዝበይ ስለ ዘስሐትዎ፣ እወ ስለ ዘስሐትዎ፣ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐእንሆ፣ ንሳቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ይልቕልቕዎ አለዉ። ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዚልቕልቕዎስኪወድቕ እዩ፣ በሎም። ዚደማስስዝናም ኪዘንም እዩ፣ ኣቱም ኣእማን በረድክትወድቁ ኢኹምህቦብላ ንፋስ ከኣ ኬፍርሶ እዩ። እንሆ፣ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፣ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ጸብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይኪብሉኹምን እዮም፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብነድረይ ህቦብላ ንፋስ ክፍኑ፣ ብዅራይ ድማ ዚደማስስ ዝናም ከዝንም፣ ብነድረይውን ዜጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ። ነቲ ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን ናብ ምድሪ ኸውድቖን እየ። መሰረቱውን ጋህ ኪብል እዩ። ንሱ ኺወድቕ እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ነቲ መንደቕን ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕዎን ሃና ነድረይ ከውጽኣሎም እየ። ኣነ ድማ፣ እቲ መንደቕ የሎን፣ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ። ንሳቶም እቶም ብዛዕባ የሩሳሌም ዚንበዩ፣ ሰላም፣ ዜልቦስ ራእይ ሰላም ዚርእዩላ ዘለዉ ነብያት እስራኤል እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብተን ካብ ልበን ሀንዲሰን ዚንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል ኣንጻረን ድማ ተነበየለንንነፍሳት ኬፈንጥራስ፣ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዚሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶይን ኵሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለኤንነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኢልካ ንገር። ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፣ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግባኤን ነፍስት ከኣ ህይወተን ኣድሐንክን፣ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እንሐሶኽናሉ፣ ምእንቲ ዕሙዅቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ ኣነ ነተን ንነፍስት ከም ኣዕዋፍ እትፍንጥራለን መኼዳታትክን ተሀንዲደየን አሎኹ፣ ካብ ቅልጽምክን ድማ ክቐደብ፣ ነተን ነፍሳት፣ እወ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዝፈንጠርክናኤን ነፍስት ሓራ ኸውጽኤን እየ። ነቲ ምጐልበቢታትክን ድማ ክቐዶንህዝበይ ከኣ ካብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፣ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኪዀኑን እዮም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነ ክትፈልጣ ኢኽን። ንልቢ እቲ ጻድቕ፣ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደሌኹስ፣ ንስኻትክን ብሓሶት ስለ ዘሕዘንክናኦ፣ እቲ ረሲእ፣ ካብ መገዲ ረሲኣነት ከይምለስ እሞ ከይድሕንሲ፣ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕክን፣ ስለዚ ከንቱነት ኣይክትርእያን፣ ድሕርዚ ኸኣ ትንቢት ኣይክትንበያን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።

Translation | Context