Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

working on the sabbath


ዘጸአት 35:2 | 24 Helpful votes

ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ብእኣ ዕዮ ዝዐየየ ዅሉ ይሙት

Translation | Context
ማቴዎስ 12:11-12 | 15 Helpful votes

በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧ ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፡ እምብኣርሲ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:10 | 9 Helpful votes

እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ

Translation | Context
ማርቆስ 2:27-28 | 7 Helpful votes

ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:16 | 6 Helpful votes

ደጊም ብብልዕን መስተንወይ ብምብዓል በዓላትወይ ብሰርቂ ወርሒወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም

Translation | Context
ዘጸአት 35:3 | 6 Helpful votes

ኣብ እትነብርዎ ዅሉ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይተንድዱ

Translation | Context
ማቴዎስ 12:9-14 | 6 Helpful votes

ንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወእንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረምእንቲ ኪኽስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎበሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧ ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፡ እምብኣርሲ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ። ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ኸኣ ኢድካ ዘርግሕበሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየትከምታ ኻልኣይቲውን ኰነት። ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ

Translation | Context
ዮሃንስ 5:18 | 5 Helpful votes

ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ።

Translation | Context
ማርቆስ 2:23 | 4 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ኺሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱሰዊት ኪምንቍሱ ጀመሩ

Translation | Context
ማቴዎስ 12:5 | 4 Helpful votes

ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧

Translation | Context
ነህምያ 13:15-22 | 4 Helpful votes

በተን መዓልትታት እቲኤን ኣብ ይሁዳ ብሰንበት ኣብ መርገጽ ወይኒ ኺረግጹን ኣእዱግ ጽዒኖም እንዳእቲ ኼእትውን ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱን ጽዕነትን ድማ በመዓልቲ ሰንበት ናብ ዮርሳሌም ኬምጽኡን ርኤኹ። ኣነ ኸኣ በታ እቶቶም ዝሸጡላ መዓልቲ ኣንጻሮም መስከርኩ። ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ነበሩ፡ ንሳቶም ዓሳን ዚሽየጥ ኵሉ ነገርን የምጽኡንደቂ ይሁዳ ኸኣ ብሰንበትን ኣብ ዮርሳሌምን ይሸጡሎም ነበሩ። ሽዑ ንዓበይቲ ይሁዳ፡ እዚ እተገርዎ ኽፉእ ነገር እንታይ ማለት እዩ፡ መዓልቲ ሰንበት ተርክሱ አሎኹም፡ ኢለ ኾሬኽሎምኣቦታትኩምሲ ኸምኡዶ ኣይኮነን ዝገበሩኣምላኽና ድማ እዚ ዅሉ ኽፉእ እዚ ናብ ልዕሌናን ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚአን ኣምጽአልና። ንስኻትኩም ድማ ብሰንበት ብምርካስኩም ነቲ ነዳዲ ኹራ ናብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርታዕኩምዎ። ኮነ ኸኣ፡ ቅድሚ ሰንበት ነተን ደጌታት ዮርሳሌም ድነ ኺወድቀን ምስ ጀመረ፡ ደጌታት ኺዐጽው ኣዘዝኩሰንበት ክሳዕ እተሐልፍ ከአ፡ ከይከፍቱ አዘዝኩብመዓልቲ ሰንበት ገለ ሰኽሚ ኸያአቱ፡ ካብ ገላዎይ ኣብ ደገ ደው ኣበልኩ። ሽዑ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ዅሉ ዓይነትን ኣብ ወጻኢ ዮርሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሐደሩ። ኣነ፡ ድማ ኣብ መንጽር መካበብያ እተሓድሩስ ስለምንታይ ኢኹም፡ ከምዚ እንተ ደገምኩምኢደይ ኣብ ልዕሌኹም ከልዕል እየ፡ ኢለ ኣሰማዕኩሎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ኣይመጹንንሌዋይውን ከአ ኪጸርዩንንምሕላው ደጌታትን መዓልቲ ሰንበት ንምቕዳስን ኪመጹ ኣዘዝክዎም። በዚ ድማ፡ ዎ ኣምላኸትይዘክረኒ፡ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ደንግጸለይ

Translation | Context