Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ብእኣ ዕዮ ዝዐየየ ዅሉ ይሙት።
Translation | Contextበሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧ ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፡ እምብኣርሲ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ።
Translation | Contextእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ።
Translation | Contextሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም።
Translation | Contextኣብ እትነብርዎ ዅሉ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይተንድዱ።
Translation | Contextንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ። እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኽስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧ ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፡ እምብኣርሲ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ። ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ኸኣ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየት፡ ከምታ ኻልኣይቲውን ኰነት። ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ።
Translation | Contextስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ኺሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱ፡ ሰዊት ኪምንቍሱ ጀመሩ።
Translation | Contextካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧
Translation | Contextበተን መዓልትታት እቲኤን ኣብ ይሁዳ ብሰንበት ኣብ መርገጽ ወይኒ ኺረግጹን ኣእዱግ ጽዒኖም እንዳእቲ ኼእትውን ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱን ጽዕነትን ድማ በመዓልቲ ሰንበት ናብ ዮርሳሌም ኬምጽኡን ርኤኹ። ኣነ ኸኣ በታ እቶቶም ዝሸጡላ መዓልቲ ኣንጻሮም መስከርኩ። ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ነበሩ፡ ንሳቶም ዓሳን ዚሽየጥ ኵሉ ነገርን የምጽኡ፡ ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ብሰንበትን ኣብ ዮርሳሌምን ይሸጡሎም ነበሩ። ሽዑ ንዓበይቲ ይሁዳ፡ እዚ እተገርዎ ኽፉእ ነገር እንታይ ማለት እዩ፡ መዓልቲ ሰንበት ተርክሱ አሎኹም፡ ኢለ ኾሬኽሎም። ኣቦታትኩምሲ ኸምኡዶ ኣይኮነን ዝገበሩ፡ ኣምላኽና ድማ እዚ ዅሉ ኽፉእ እዚ ናብ ልዕሌናን ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚአን ኣምጽአልና። ንስኻትኩም ድማ ብሰንበት ብምርካስኩም ነቲ ነዳዲ ኹራ ናብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርታዕኩምዎ። ኮነ ኸኣ፡ ቅድሚ ሰንበት ነተን ደጌታት ዮርሳሌም ድነ ኺወድቀን ምስ ጀመረ፡ ደጌታት ኺዐጽው ኣዘዝኩ። ሰንበት ክሳዕ እተሐልፍ ከአ፡ ከይከፍቱ አዘዝኩ። ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ሰኽሚ ኸያአቱ፡ ካብ ገላዎይ ኣብ ደገ ደው ኣበልኩ። ሽዑ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ዅሉ ዓይነትን ኣብ ወጻኢ ዮርሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሐደሩ። ኣነ፡ ድማ ኣብ መንጽር መካበብያ እተሓድሩስ ስለምንታይ ኢኹም፡ ከምዚ እንተ ደገምኩም፡ ኢደይ ኣብ ልዕሌኹም ከልዕል እየ፡ ኢለ ኣሰማዕኩሎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ኣይመጹን። ንሌዋይውን ከአ ኪጸርዩን፡ ንምሕላው ደጌታትን መዓልቲ ሰንበት ንምቕዳስን ኪመጹ ኣዘዝክዎም። በዚ ድማ፡ ዎ ኣምላኸትይ፡ ዘክረኒ፡ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ደንግጸለይ።
Translation | Context