Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

worms


ማርቆስ 9:48 | 11 Helpful votes

ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውንኣንቍራክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውትሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስነቋር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸካ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 12:23 | 6 Helpful votes

ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎሐሲኹውን ሞተ።

Translation | Context
እዮብ 25:6 | 5 Helpful votes

ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ፡ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህንከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:24 | 4 Helpful votes

ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዐለው ኺርእዩ እዮም፡ ሓሰኻኦም ኣይኪመውትንሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዂሉ ስጋውን መፈንፈኒ ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 12:20-23 | 3 Helpful votes

ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ተጻሊእዎም ነበረ። ተሳማሚዖም ከኣ ናብኡ መጹምግቢ ሃገሮም ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ሸለቃ ዝፋን ቤት ንጉስ ኣፍትዮም ዕርቂ ለመኑሄሮድስ በታ መዓልቲ ቘጸራ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ ኣብ ኣፋን ተቐመጠ ተዛረቦምውን። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ጨደሩክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎሐሲኹውን ሞተ።

Translation | Context
ዮኤል 1:1-19 | 3 Helpful votes

ንዮኤል ወዲ ጴቱኤል ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣ ኣቱም ኣረገውቲ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ዅላትኩምውን፣ ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ዀይኑ እዩ፡ እዚ ንደቅኹም ኣዘንትዉሎምደቅኹም ከኣ ንደቆምደቆምውን ነቲ ዳሕራይ ወለዶ የዘንትዉሎም። ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፣ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸኣ ጐደበ በልዖ፣ ካብ ገደበ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ። ኣቱም ሰኸርቲ ንቕሑን ብኸዩን፣ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፣ እቲ ዀልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፣ ዋይዋይ በሉ። ቍጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ደየበኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፣ ከም ናይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸኣ አለዎ። ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፣ ንኦም በለሰይ ፈሐቖ፣ ብጥራስ ቀንጠጦደርበዮጨናፍሩውን ጻዕደውወ። ከምታ ክሊ ተዐጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዩመስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ጠፍኤ፣ እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ይሐዝኑ አለዉ። እኽሊ በሪሱ፣ ኵልዒ ወይኒ ነቒጹዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፣ እታ ሃገር ባዲማምድሪውን ትሐዝን አላ። እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፣ ኣቱም ሓረስቶት፣ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፣ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውንዋይዋይ በሉ። ተኽሊ ወይኒ ነቕጸኦም በለስ ከኣ ቀምሰለ፣ ኦም ሮማንን ስየን ቱፋሕን ኵሉ ኣእዋም መሮርን ነቕጸ፣ እወ፣ ሓጐስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸመስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተኸልኪሉ እዩ እሞ፣ ኣቱም ካህናትተዐጠቑን ብኸዩን፣ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢዋይዋይ በሉ፣ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ንዑክሊ ተኸዲንኩም ሕደሩጾም ቀድሱኣኼባ ጸውዑንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉመዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፣ ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ፣ ኣየ፣ እዛ መዓልቲ እዚኣ። ግምቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንናሓጐስን ደስታን ከኣ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኰነን፡ እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኵል መሽመሽእኽሊ ሀጕጉ እዩ እሞ ቈፋፉ ባዶ ዀነ፡ መዓኽንውን ፈረሰ። ኣየ፣ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እተን መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማመጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ ኣለዋ። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ ኤእዊ አሎኹ።

Translation | Context
ዮናስ 4:7 | 3 Helpful votes

ግናኸ ንጽብሒቱ ምስ ወግሔኣምላኽ ሓሰኻ ኣዳለወ፣ ንሱ ኸኣ ነታ ጕልዒ ወቕዓ እሞ ነቐጸት

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:14 | 2 Helpful votes

ኣታ ሓሰኻ ያእቆብኣቱም ሰብ እስራኤልኣነ እየ ዝድግፈካኣይትፍራህተበጃዊኻ ድማ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context