Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ።
Translation | Contextሽዑ ራሄል፡ ቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሐየልኩ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ንፍታሌም ኣውጽኣትሉ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ። ኣብቲ ጸበባይ ብምሕባርኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ ከም ዘይከአሎ ምስ ረአየ፡ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ኪቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኩልቲ ያእቆብ ተቘጸ።
Translation | Contextበታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ተንሲኡ ኽልቲኤን ኣንስቱን ክልቲኤን ግዙኣቱን ዓሰርተው ሓደ ደቁን ወሲዱ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ። ወሲዱ ርባ ኣሳገረን፡ ዘለዎ ዘበለ ኸኣ ኣሳገረ። ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ። ንሱ ኸኣ ከም ዘይከአሎ ምስ ረአየ፡ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ኪቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኩልቲ ያእቆብ ተቘጸ። እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ምድሪ ይወግሕ አሎ እሞ፡ ሕደገኒ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ከይባረኽካንስ ኣይሐድገካን እየ፡ በለ። ሽዑ ንሱ፡ እንታይ እዩ ስምካ፧ በሎ። ያእቆብ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይብሀልን፡ በሎ። ያእቆብ ድማ፡ በጃኻ ስምካ ንገረኒ፡ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሐትት፧ በለ። ኣብኡ ድማ ባረኾ። ያእቆብ ከኣ፡ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና እያ፡ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጰኒኤል ኣውጽኣላ። ንጰኒኤል ምስ ሐለፈ፡ ጸሓይ በረቐቶ። ንሱ ግና ምሕኵልቱ ይሕንክስ ነበረ። ንጅማት መፋላልዮ ምሕኵልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ምእንቲዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፈላልዮ ምሕኵልቲ ኣይበልዑን እዮም።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።
Translation | Context