Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

young men


ምሳሌ 3:1-35 | 13 Helpful votes

ወደየምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወንሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ። ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካንንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእመጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡ ወደየከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር። እቲ ጥበብ ዚረክብኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቍ ትኸብርኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያንኣብ የማና ነዊሕ ዕድመኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ። ጐደናኣ ጐደና ሓጐስብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖብፍልጠቱ መዓሙቝ ይኽፈትደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየንንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወትንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን። ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድእግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ። እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውንኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበርኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮዚወሃብ ከሎካስንብጻይካኪድ እሞ ተመለስጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎንብጻይካኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእመገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽእግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ። መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦምጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 119:9 | 10 Helpful votes

ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 11:9 | 7 Helpful votes

ኣታ ወዲብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጒስካበመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ዅሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 6 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:17 | 5 Helpful votes

ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣእቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 4 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:12-14 | 3 Helpful votes

ደቀየሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታትነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞእጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞእጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ቈልዑነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞጽሒፈልኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:5 | 3 Helpful votes

ኣቱም መንእሰይከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎምኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡትሕትና ተዐጠቑ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:12 | 3 Helpful votes

ነቶም ኣመንቲ ብቓልበኻይዳብፍቕሪብእምነትብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:11 | 3 Helpful votes

ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂኣምልኾእምነትፍቕሪትዕግስቲህድኣት ሰዓብ።

Translation | Context
ዮኤል 2:28 | 3 Helpful votes

ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:3 | 2 Helpful votes

ከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም

Translation | Context
ቲቶስ 1:7-8 | 2 Helpful votes

እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባምቅኑዕቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ።

Translation | Context
ምሳሌ 11:22 | 2 Helpful votes

መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:14 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞጽሒፈልኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:10 | 2 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:9 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነትቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።

Translation | Context