Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

zombies


ዘካርያስ 14:12 | 31 Helpful votes

እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዚወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ፣ በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 26:19-20 | 16 Helpful votes

ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ፡ ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ፡ ምድሪውን ንምውታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ አሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾቊጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ

Translation | Context
ራእይ 20:5 | 13 Helpful votes

እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስኤ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 9:6 | 7 Helpful votes

በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 27:51-53 | 5 Helpful votes

እንሆመጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረምድሪ ኣንቀጥቀጠትኣኻውሕ ድማ ተጨዱመቓብራትውን ተኸፍቱብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉንብዙሓት ከኣ ተራእዩ

Translation | Context
ማቴዎስ 27:52-53 | 4 Helpful votes

መቓብራትውን ተኸፍቱብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉንብዙሓት ከኣ ተራእዩ

Translation | Context
ዳንኤል 12:2 | 4 Helpful votes

ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፣ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፣ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:51-53 | 4 Helpful votes

እንሆምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢናብሓንሳእብቕጽበት ዓይኒበቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮምንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 5:28-29 | 3 Helpful votes

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወትእኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:6-9 | 2 Helpful votes

መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ። ስለዚ ኢድ ዘበለ ዘርጋሕጋሕ ኪብል፡ ኲሉ ልቢ ሰብ ኪመክኽ እዩ። ኪስምብዱቃንዛን ሓዘንን ኪሕዞም እዩ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ኬቕለልውተገሪሞም ነንሓድሕዶም ኪጣማመቱ እዮም፡ ገጾም ከም ገጽ ሃልሃልታ እዩ። እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶምብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ።

Translation | Context
ራእይ 20:4-6 | 2 Helpful votes

ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስኤ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን

Translation | Context
ሮሜ 6:4 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና

Translation | Context
ሉቃስ 24:5 | 2 Helpful votes

ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶምንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ አሎኽን፡

Translation | Context
ህዝቅኤል 37:7-10 | 2 Helpful votes

ከምቲ እተአዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፣ እንሆ ኸኣ፣ ፍኒሕኒሕ ኰነ፣ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበእንሆ ኸኣ፣ ጅማውትን ስጋን ኪወጾምቈርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ፣ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን። ሽዑ ንሱ፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበ፣ ንንፋስ ተነበየሉንንፋስ ከኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣታ ትንፋስ፣ እዞም ህያዋን ህያዋን ኪዀኑስ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብኦም ንፈስይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮ፣ በለኒ። ኣነ ኸኣ ኸምቲ ዝአዘዘኒ ተነቤኹትንፋስ ድማ ኣተዎምህያዋን ኰኑ፣ በእጋሮም ከኣ ቘሙኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ።

Translation | Context
ሉቃስ 2:1-52 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸእዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሐፍ ደየበኰነ ድማኣብኡ፡ ኸለዉ ጊዜ ሕርሳ በጽሔበዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩመልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትእናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡእቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይናብ ቤት-ልሄም ንኺድተባሃሀሉቀልጢፎም ከኣ ኸዱንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። እዚ ምስ ረኣዩብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት። እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልእኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሃንጸ ኸሎ ዝሰመዮስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎከምቲ ሕጊ መሴመዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ - ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄርማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሀል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ - ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቝምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎእንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረእዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረአዮሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻንወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፥ ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃንንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙስምኦን ከኣ ባረኾምነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ። ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃናጓል ፋኑኤልንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። - ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረትንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። - ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸትብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶምከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኵሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ። እቲ ሕጻን ዓበየብመንፈስ ድማ ደልደለጥበብ ከኣ መልኦጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ። እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናብ የሩሳሌም ደየቡ። እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡንምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎምመገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ። ምስ ረአይዎ ድማ ሰምበዱኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካናእንሆኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፥ ንምንታይሞ እትደልዩኒኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን። ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ

Translation | Context
ኤርምያስ 19:9 | 2 Helpful votes

ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ። ብጸላእቶምን በቶም ነፍሶም ዚደልዮም ተኸቢቦም ጸቢብዎም ምስ ተጨነቑ፡ ስጋ ሓድሕዶም ኪባልዑ እዮም።

Translation | Context