ምንጩ ግዲ ረሲዐ ፣ ሑኽ እብል እጋደል
በቲ ውህበት ጸጋኻ ክርአ ክብል ጸብለል
ቅጽል-ስመይ ክገብሮ “እገለ...” ኽብሃል
ልበይ ዘየጽረኹስ ብጥቕሲ ዝኽወል
ንኽብሪ መን ደኣ‘የ “ዊጥ...ዊጥ” ዝብል ?
ውህበት ጸጋ ዝሃብካ ቤትካ ንምጽባቕ
ግብሪ ሓይልኻ ፍሉይ ንምርኣዩ ዘደንቕ
ኣብ ሓወይ እንክግለጽ ግን ዝብለኒ ውሽጠይ ሕቕቕ
ልበይ ክንዲ ዝሕጎስ ብምርኣይ ‘ዚ ጽቡቕ
ስለምንታይ ደኣ ዝጓየ ዘረባ ኣብ ምድቓቕ ?
ጥቕሲ ምፍላጥ መጠረሽታ ህይወት ዝመስለኒ
እንተ ንብጻየይ ምፍቃር ግና ዝኸብደኒ
“ሓወይ ካባይ ይበልጽ” ምባል ፍጹም ነየኽእለኒ
“ኣነ እፈልጥ” ክብል እነብሕ ህልኽ-ውድድር ሒዙኒ
ትሕትና ዘህድም ዕሽነት እምበር’ዩ ዓሚቱኒ !
ጎይታየ፣ ዝደኮንካኒ መግለጺ ክብርኻ ክኽውን
ቅዱስ መንፈስካ ዝመላእኩ ባህሪኻ ኽውንን
ርእሰይ እናኣንስኩ ዓብዪ ስምካ ኸግንን
ሰለምንታይ ደኣ ሎሚ ዝጽዕር “ ገለ ምዃን ” ዝህቅን
ንኣኻ እንተዝፈርህሲ ከምዚ ኣይምኾንኩን ።
“ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል: ንእግዚኣብሄር ፍራህ: ካብ ክፉእ ከኣ ርሓቕ።”
(ምሳሌ 3: 7)