ካብ: ሓው ዛክ ፑነን (Zac Poonen) ጽሑፋት እተተርጎመ(ካብ መጽሓፍ እቲ ምሉእ ወንጌል - 1996 ሕታም፡ ዝተወስደ)
ዳንኤል ኣብ ወለዶኡ እግዚኣብሄር ዝተጠቕመሉ ሰብ እዩ ኔሩ። መንእሰይ ከሎ “ብብልዒ ባቢሎን ንኸይረክስ ብልቡ ሓለነ” (ዳን.1:8)። ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዳንኤል ንእግዚኣብሄር ቆይሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም’ውን ንጎይታኦም ደው ንኽብሉ ትብዓት ኮይንዎም (ዳን.1:11)። ብገዛእ ርእሶም ደው ክብሉ ትብዓት ኣይነበሮምን፡ መትከል ዳንኤል ብዝረኣዩ ግና ትብዓት ረኺቦም። ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ ከምዞም ሰለስተ ሰባት፡ ብገዛእ ርእሶም ንእግዚኣብሄር ደው ክብሉ ዘይክእሉ፡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ከም ዳንኤል ዝበለ ብትብዓት ንእግዚኣብሄር ደው ዝብል፡ ዝጽበዩ። ከምዚ ዝበለ ሰብ ምስ ዝረኽቡ፡ ትብዓት ዝመልኡ።
ከምዚ ዳንኤል እዚ ክትከውን ዶ ትኽእል፧ “ንገዛእ ርእሰይ ኣየርክስን እየ። ንዝኾነ ንጉስ ወይ ኣዛዚ ወይ ንድሕሪት ዝተመልሰ ሽማግለ፡ ወይ ዝኾነ ቤተ-ዘመድ ወይ ዝኾነ ከሕጉስ ኣይደልን እየ። 100% ቃል እግዚኣብሄር ንዝብሎ ደው ክብል እየ” ክትብል ትኽእል ዶ፧
ከምዚኦም ዝበሉ ዳንኤላት ሎሚ ኣዝዮም እዮም ዘድልዩ - “ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዝመርሑ” (ዳን.12:3) ኣወዳትን ኣዋልድን። እዛ ጥቕሲ ብዛዕባ ጽድቂ ዝሰብኩ ኣይተመልክትን እያ፡ ግና ንኻልኦት ናብ ጽድቂ ዝመርሑ - ብቓልን ብግብርን። እዚ እዩ ዕዮ ዳንኤል (ዳንኤላዊ ተልእኾ)።
ኣብ ቃል እግዚኣብሄር ኣንጻር ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዕዮ (ተልእኾ) ከምዘሎ ነንብብ ኢና። እዚ ኸኣ እቲ ዕዮ ሉሲፈር (ሉሲፈራዊ ተልእኾ) እዩ።
ኣብ ራእይ.12:4 ሉሲፈር ምስ ዝሰዓብዎ 1/3 ካብ መላእኽቲ (ከዋኽብቲ) ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝዓለዉ ነንብብ። እዞም ዝወደቑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መላእኽቲ እዮም እቶም ኣጋንንቲ ኮይኖም። ስለምንታይ እግዚኣብሄር ንሉሲፈር ክንድዚኦም ንዝኣኽሉ መላእኽቲ ናብ ዕልወት ክመርሕ ፈቒዱ፧ ሰማይ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ዓለውቲ መላእኽቲ ምእንቲ ክትጸሪ እዩ። ሉሲፈር ካብ ማእከሎም ተንሲኡ ኣንጻር እግዚኣብሄር ክዓልዉ እንተዘይመርሖም፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ዓላዊ ሓሳባት ኣይምተጋህደን።
ሎሚ’ውን እግዚኣብሄር ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ከምዚ ዝዓይነቱ ሉሲፈራዊ ተልእኾ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ክህልዉ የፍቅድ እዩ። እግዚኣብሄር፡ ቤቱ ምእንቲ ክትነጽህ ኢሉ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ዝሓምዩ፡ ዝኸሱ፡ ሓሶት ዝነግሩ፡ ክፉእ ዝዛረቡ፡ ኩሎም እቶም ዓለውትን ዓለማዊ ህይወት ዘለዎምን ኣመንቲ ኣብ ቤቱ ምእንቲ ክገሃዱ፡ ክቕልዑ፡ ብሓደ ክእከቡን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ክወጹን ይፈቅድ።
እግዚኣብሄር ሎሚ’ውን ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣብ ሉሲፈራዊ ተልእኾ ዝዋፈሩ ከምቲ ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ንሉሲፈር ደው ከምዘየበሎ፡ ደው ኣየብሎምን እዩ። እዚ መለኮታዊ ጥበብ እዩ። ንኣመንቲ ከምቲ ብዛዕባ ሰይጣን እነጠንቅቕ፡ ብዛዕባ ከምዚኦም ዝበሉ ሉሲፈራት ኣቐዲምና ከነጠንቅቕ ይከኣል እዩ (ሮሜ.16:17)። እዞም ሉሲፈራት እዚኣቶም ብዝገብርዎ ነገር ግን ኣይንፈርህን ኢና። ንቤተክርስትያን ከበላሽዉ ኣይክእሉን እዮም። ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ጻህያይ ጥራይ እዮም ዝወስዱ። እግዚኣብሄር ባዕሉ ንቤቱ ክዕቅብን ክሕሉን እዩ። ኣብቲ ምዱብ ጊዜ ድማ ከምቲ ኣብ 1ቆረ.3:17 ዝተባህለ ነቶም ንቤቱ ዘርከሱ ክፈድዮም እዩ። ግናኸ እግዚኣብሄር ዕጉስ እዩ፡ ቅድሚ ምፍራዱ ንብዙሕ ዓመታት ይጽበ። ክፈርድ ከሎ ግና ፍርዱ ብርቱዕን ከቢድን እዩ።
ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ምፍልላይ ዘይብላ ኮይና ክትጀሃር፡ እዚ ዕሽነት እዩ። ኣብ ሰማይ እኳ ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ ሞንጎ መላእኽቲ ምፍልላይ ኔሩ እዩ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ምፍልላያት ኣገደስቲ እዮም። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ። ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ።” 1ቆረ.11፡19
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሕጡበ-ጽሑፍ’ውን እግዚኣብሄር ንጸልማት ካብ ብርሃን ከም ዝፈለዮ ኢና እነንብብ (ዘፍ.1:4)። እዚ ምፍልላይ እዚ’ውን ኣገዳሲ እዩ ኔሩ። ብዘይ ከምዚኣቶም ዝበሉ ናይ ሰባት ምፍልላያት ኣብ ናይ ሎሚ ቤተ ክርስትያን፡ ምስክር እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ብልሹው እዩ ዝኸውን።
ኩልና ሎሚ ወይ ኣብ ዳንኤላዊ ተልእኾ፡ ሕብረትን ሓድነትን ኣብ ቤተክርስትያን ዝሃንጽ ተልእኾ ኣሎና ወይ ኣብቲ ክርዳድ (ዘይምስምማዕ፡ ባእሲ) ዝዘርእ ሉሲፈራዊ ተልእኾ ኣሎና። እግዚኣብሄር ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዝዘርእ ይጸልኦ እዩ (ምሳ.6:16-19)። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግሉላት (ኣብ ክልቲኡ ዘየለና) ክንከውን ኣይከኣልን እዩ፡ ከምቲ ጎይታና ዝበሎ እቲ ምስኡ ኮይኑ ዘይእክብ ይዘሩ ስለ ዝኾነ። ኣብ ቤተክርስትያን ክልተ ዕዮታት ጥራይ እዩ ዘሎ፡ ምእካብን ምዝራውን (ማቴ.12:30)።
ኣብ ህንዲ ኣብ ዘለዋና ኣብያተ ክርስትያናት፡ እግዚኣብሄር ብዘገርምን ብውሕሉልን መገዲ፡ ካብ ማእከልና ተድላ፡ መንበር፡ ክብሪ ዝደልዩ፡ ተቓዋሚ መንፈስ ዘለዎም፡ ካብኦም ዝንእሱ ኣሕዋቶም ክቕድምዎም ከለዉ ክፉእ ቅንኢ ዝቐንኡ ምእንቲ ክገሃዱን ክርሕቁን፡ ኣብ ማእከልና ዝነበሩ ጎራሓትን “ዓበይትን” ዝበሃሉ በቲ ጉርሖምን ጥበቦምን ኣፈንጢርዎም እዩ (1ቆረ.3:19) ስለዚ ኸኣ በቲ ዝመኸርዎ ንቤተክርስትያን ናይ ምዕላውን ምኽሪ ኣጨኒቕዎም እዩ። እዚ ንሱ ይጥንቀቐልና ምዃኑን፡ ንጹህ ዝኮነ ምስክር ንስሙ ምእንቲ ከቕውም ኢሉ እግዚኣብሄር ዘርእየና ምልክት እዩ።
ካብ ከምዚ ዝበለ ሰይጣናዊ ውዲት ስለ ዝባልሃናን ኩሉ ጊዜ ስለ ዝሕልወናን ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ። “እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተዘይሓለዋስ፡ ሓለውቲ ንኸንቱ ይነቕሑ።” (መዝ.127:1)። ኣብቲ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ዝነብሩሉ ጥራይ እዩ እግዚኣብሄር በረኸት ኣዚዙ ዘሎ (መዝ.133:1,3)። እታ ብሓድነት ዘላ ቤተክርስትያን ጥራይ እያ ኣብ ልዕሊ ደጌታት ሲኦል ክትሕይል እትኽእል። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ፡ ነዞም ንኸምዚ ዝበለ ሓድነት ዝጻረሩ ምእንቲ ከርሕቕን ኣብቲ ሓደ ኣካል ምእንቲ ክንጸንዕን ኢሉ ኣብ ማእከልና ብሓይሊ ይሰርሕ።
እግዚኣብሄር ኩሉ ጊዜ ብኸምዚ ዝበለ ስራሕ ኣብ ማእከልና ምእንቲ ክህሉ ወትሩ ክንጽሉ ይግብኣና እዩ፡ ምኽንያቱ ሰባት ካብ ማእከልና ኣብ ዝኾነ ጊዜ ብልቦም ክኾርዑን ክዕበዩን ስለ ዝኽእሉ። እንተኾነ ኪዳን እግዚኣብሄር ንኣና ከምዚ እዩ፡ “ሽዑ ኣነ ነቶም ብኹርዓትኪ ባህ ዝበሎም ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ፡ ንስኺ ድማ ድሕርዚ ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክትኮርዕን ኢኺ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ኹሉ ግብርኺ ኣይክትሓንክን ኢኺ። ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሓድግ እየ፡ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኑ እዮም።” (ጸፎ.3፡11-12) እዚ ኸኣ፡ ቤተክርስትያን ብትሑታትን ሽጉራትን ድኻታትን ጥራይ እያ ኣብ ሓድነት ክትህነጽ ስለ እትኽእል እዩ።
እግዚኣብሄር ንቤቱ ብንጽህና ክሕልዋ ቀናእ ስለዝኾነ፡ ንሱ ባዕሉ ብመገዱን ብጊዚኡን ከምቲ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ካብ ቤቱ ዘውጽኦም፡ ከምኡ ነቶም ፈተውቲ ርእሶም ዘበሉ ክቐልዖምን ካብ ቤቱ ከሰጎምን እዩ። ኩሉ ኽብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን።