መጽሓፍ ፊሊሞን እታ ዝነኣሸትን ዝሓጸረትን ክፍሊ ሓድሽ ኪዳን እያ። 26 ጥቅስታታ ኣለዋ። ግን ከኣ ኣገዳሲት መጽሓፍ። ኣገዳሲት ዝገብራ ድማ ብዛዕባ ይቅሬት፣ ምሕረት፣ ምቅብባል እትምህር መጽሓፍ ስለ ዝዀነት እዩ። እዛ ደብዳቤ ንሰብ ቆሎሴ ዘይኰነስ፣ ኣብ ቆሎሴ ዝነብር ዝነበረ ኣማኒ ሓው፣ ንፊሊሞን እተጻሕፈ እያ። ፊሊሞን ሃብታም ነጋዳይ እዩ ዝነበረ። ኣብ ትሕቲኡ ድማ ዝግዝኡ ባሮት ነበርዎ። ገዛእ ርእሱ ንሕብረት ዝሃበ ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ቤቱ ማሕበር ነበረት። ሓደ ካብኦም ድማ ኦነሲሞስ እዩ። እዛ ደብዳቤ ብኢድ ሃዋርያ ጳውሎስ 60ዓመት ድ.ል.ክ እተጻሕፈት እያ። ዝጸሓፈላ ምኽንያት ድማ ፊሊሞን፣ ንኦኒሲሞስ ይቅረ ክብለሉ፣ ከም ሓዉ ድማ ክቅበሎ ንኽልምኖን እዩ።
ኦኒሲሞስ ማለት “ጠቃሚ” ማለት እዩ። ኦነሲሞስ ግና ከም ስሙ ኰይኑ ኣይተረኽበን። ካብ ፊሊሞን ከም ድላዩ ሃዲሙ። ክሃድም ከሎ ድማ ዝሰረቆ፣ ብኢደ ዋንኑ ዝወሰዶ ገንዘብ፣ ንብረት ከም ዝነበረ ይንገር። እንተተታሒዙ ድማ ብሕጊ ሮማውያን ዝጽበዮ ፍርዲ ስቃይን ሞትን እዩ። ኣስታት 1000ኪሜ ዝኣክል ተጋዒዙ ድማ ናብ ሮሜ መጸ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነገሩ ብቄሳር ክሳብ ዝስማዕ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ኣብ ሮሜ ይሕሎ ነበረ። ኣብዚ ከምዚ ኩነት ድማ እዮ ሃዋርያ ጳውሎስን ኦኒስሞስን እተራኸቡ። ኦኒሲሞስ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ንእምነት ዝዀኖ ቃል ምስ ሰምዐ፣ ህይወቱ ንኣምላኽ ሂቡ። ኣማኒ ሓው ኰይኑ። ድሕረ ባይታኡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ስለ ነገሮ፣ ናብቲ ዝመጸሉ ክምለስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ተሰማምዐ። ጳውሎስ ድማ ብኢድ ኦነሲሞስ ደብዳቤ ልኢኹ። እዛ ደብዳቤ እዚኣ ድማ ንፊሊሞን ዝተጻሕፈት ደብዳቤ እያ።
እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ “ይቅረታ”፣ “እንደገና ምቅባል” እትምህር ደብዳቤ ስለ ዝዀነት ኣብ ህይወት ኣማኒ ዓቢ ጽልዋ ኣለዋ። ብዛዓባ ግብራዊ ክርስትና እትዛረብ መጽሓፍ። ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ተግባር። ናይ ሰብ ድሕረ ባይታን ማዕረግን ብዘየገድስ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ክጥምት እትምህር መጽሓፍ። ዝተጋገዮ ዝበዶሎ ከይጸብጸብካ ከም ብክርስቶስ ሓው ይቅረ ክትብል እትመክር መጽሓፍ። ከምቲ ክርስቶስ ዝተቀበለናን ይቅረ ዝበለልናን፣ ንሓድሕድና ይቅር ክንብህሃል እተስተምህር መጽሓፍ። ናይ ምድሪ ሕጊ ስርዓት ብዘየገድስ ንብክርስቶስ ሓው/ሓፍቲ ብፍቅሪ እንደገና ክንቅበል እተለብም መጽሓፍ። “ከምቲ በደሎም ዝሓደግናሎም፣ በደልና ሕደገልና” ዝብል ጸሎት፣ ኣብ ከናፍርና ሓቂ ክኸውን እትሕግዝ መጽሓፍ።
ምስ ኦነሲሞስ ዘመሳስለና ብዙሕ ነገር ኣሎ። ከምቲ ኦነሲሞስ ባርያ ፊሊሞን ዝነበረ፣ ንሕና’ውን ባሮት ሓጢኣት ነበርና (ዮሃ8፣34, ሮሜ6፣17,18, 20)። ከምቲ ካብ ፊሊሞን ዝሃደመ፣ ንሕናውን ካብ ክርስቶስ ርሑቃት ነበርና (ኤፊ2፣13)። ከምቲ ፍርዲ ኦነሲሞስ ስቃይ ሞት ዝነበረ፣ ንሕናውን ዝጽበየና ዝነበረ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ ነይሩ (ሮሜ6፣22,23)። ከምቲ ዕዳ ኦነሲሞስ ክኸፍል ሃዋርያ ጳውሎስ ፍቃደኛ ዝነበረ፣ ንዓና’ውን ዕዳና ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከፊልዎ እዩ (ሮሜ5፣8-10)። ከምቲ ፊሊሞን ምእንቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ክብል ዝተቀበሎ፣ እ/ሔር ኣቦ ድማ ብክርስትስ ተቀቢልና እዩ (ኤፊ2፣16-18)። ከምቲ ፊሊሞን ንኦነሲሞስ ከምኡ ድማ ክርስቶስ ንዓና ገና ጸላእቱ ከለና ኣፍቂሩና። ኣብ ክንዳና ህይወቱ ከፊሉ፣ ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡ፣ ናብ ኣቦ ኣቅሪብና (ሮሜ5፣9,10)። ዘይግብኣና ሂቡና።
ኣብ ጫማ ኦነሲሞስ፣- ኣነ እሱር ብጐይታ (ጥቅሲ1)። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሙዃን ይርድኦ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ከም ድሌቱ ክገብር፣ ናብ ዝደለዮ ክኸይድ ኣብ ዘይክእለሉ ቦት፣ ናይ ገዛ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝነበረ። ስለዚ ድማ ኦነሲሞስ ዝሓለፎ፣ ዝነብሮ ዝነበረ ክርድኣሉ ክኢሉ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሃዋይ ጳውሎስ ባርያ ሓጢኣት እንታይ ምኻኑ ዝተረድኦ ነበረ። ኣብ ሮሜ7 “ወይ ኣነ ምግዱር ሰብ ካብዚ ናይ ሓጢኣት ስጋ መን ኰን ሓራ ክገብረኒ ይኽእል” ብምባል ዝጨርሓሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ኣብ ሮሜ6 ውን ባሮት ሓጢኣት ከለና…እዚ ሕጆ ንሓፍረሉ ዘለና እንተዘይኮኑ እንታይ ካልእ ፍረ ነይሩና” ብምባል ናይ ሓጢኣት ፍረ ብዝዀነ መገዲ ዘሕፍርን ዘነውርን ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ። ዋላ እዃ ፊሊሞን ሃብታም እንተነበረ፣ ኦነሲሞስ ዝሓለፎን ዝስምዖ ስሚዒትን ክርድኦ ክኸብድ ስለ ዝኽእል፣ ህዋርያ ጳውልስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ጫማ ኦነሲሞስ ብምእታው፣ ከምዚ ከማይ ጌርካ ተቀበሎ ብምባል ይመኽሮ። ሓጢኣተኛ ዝነበርኩ ሕጂ ግና ብክርስቶስ ዝተረኸብኩ እየ። ሰጓግ ማሕበር ዝነበርኩ ሕጂ ግና ብክርስቶስ ዝጠቅም ስለ ዝዀንኩ ከም እተኽብረኒን እትቅበለኒን እፈልጥ እየ። ንኦነሲሞስ ድማ ከምዚ ከማይ ጌርካ ተቀበሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኦነሲሞስ ክፈርድ ኣክእልን እዩ። ከምይሲ ንሱ ባዕሉ ዝነበሮን ዝሓለፎን ህይወት ስለ ዝዀነ። ስለዚ ድማ እዩ “ኣርኣያ ትዕግስቱ ኣብቶም ካልኦት መታን ከርኢ ኢሉስ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ…ንዓይ ቀዳማዮም ሓጥእ ከድሕን ዝመጸ” (1ጢሞ1) ዝበለ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ዝሰምሮ ኣምላኻዊ ናብራ እዩ።
ምስክርነት ፊሊሞን፣- ልቢ ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቀሰነ (ጥቅሲ3)። ፊሊሞን ህይወቱ ጥራይ ዘይኰነ ንብረቱ ንኣምላኽ ዝሃበ እዩ ነይሩ። ቤቱ ንኣገልግሎትን ንሕብረት የሕዋትን ዝኸፈተ እዩ ነይሩ። ስለዚ ብኣካይድኡ ልቢ ቁዱሳን ዘቅሰነ፣ ብፍቅሩን እምነቱን ዝተመስከረሉ ሓው ነበረ። ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ክነብር ምንም ጸገም ኣይነበሮን። ሕጂ ግና ህይወቱ ዝርኣየላ፣ ኣበይ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ዝፍተነላ ዓባይ ፈተና መጺኣቶ። ናይ ይቅሬታ ፈተና። ከምቲ ምስ ካልኦት፣ በዚ ነገር ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንልበይ ኣቅስነለይ” ብምባል ለመኖ። ከምቲ ዝተመስከረሉ ከምኡ ድማ ኣብ ኦነሲሞስ ከርእዮ ተደልዩ። ኩሉ ደሓን ከሎ ምስ ኣሕዋት ክትፋቀር ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንዝበደለካ ይቅረለ ኢልካ እንደገና ምቅባል ክኸብድ ስለ ዝኽእል፣ ስላምን ጸጋን ተመንይሉ። ከመይ ብጸጋ ኣምላኽ ኩሉ ይከኣል ስለ ዝዀነ።
ግቡእ ኣማኒ፣- ምምላስ ኦነሲሞስ ናብ ፊሊሞን (ጥቅሲ11)። ኦነሲሞስ ዋላ እዃ ብጎይታ ኣሚኑ ካልኣይ ልደት ዝረኸበ እንተነበረ፣ ነቲ ዘበላሸዎ ከዕርዮ ናይ ግድን ነይሩ። ኦነሲሞስ ምንም ነገር ከም ዘይገበረ ስቅ ክብል ፍቃድ ኣምላኽ ኣይነበረን። ኦነሲሞስ ከማኻኒ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ይቅረ ከም ዝበለሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምስ ሓዉ ግና ከዕርዮ ነይርዎ። ቃል ኣምላኽ ዝበሎ፣ “..ኪድ ምስ ሓውኻ ተዓረቅ..” ምስ እዚ ንብሎ ዘለና ይሰማማዕ። ናብ ፊሊሞን ከይተመልሰ፣ ነገሩ ምስ ፊሊሞን ከየቅነዐ ዝጎዮ ጉያ ዝገብሮ ኣገልግሎት ከንቱ እዩ። ስለዚ ሃዋርያ ንፊሊሞን፣ “ናባኻ እሰዶ ኣለኹ” ብምባል ናብኡ ዝመለሶ። እ/ሔር ንኣጋር ዝሃባ ትእዛዝ ምስ እዚ ንብሎ ዘለና ይሰማማዕ፣ “ኪዲ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ ኣብ ቅድሚኣ ድማ ትሕት በሊ”። ነግርኪ ምስኣ ኣቅንዒ። እ/ሄር ንትሑታት ጸጋ ይህቦም እዩ።
ትብዓት፣- ብሕጊ ሮማውያን ሓደ ባርያ ኣብ ጎይትኡ እንተዓሚጹ ዝጽበዮ ፍርዲ ሞት እዩ። ኦነሲሞስ ዋላ እዃ እዚ ዝፈልጥ እንተነበረ፣ ጉዳዩ ምስ ፊሊሞን ከዕሪ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ስለ ዝፈለጠ፣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓደጋ ኣይፈርሆን። እዚ ድማ “ናይ ይቅሬታ ሓይሊ” እዩ። ኦነሲሞስ ዝነበሮ ትብዓት ድማ የረድኣና። ካብቲ ክገጥሞ ዝኽእል መቅጻዕቲ ንልዓሊ ነገሩ ምስ ሓዉ ምዕራይ ዝዓበየ ርዝነት ከም ዝለዎ ተሰወጦ። እዚ ድማ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምህዳም፣ ስቅ ምባል፣ ከምዘይኰነ ምስቃጥ መፍትሒ ከምዘይኰነ ተረድኦ። ስለዚ ነገሩ ምስ ፊሊሞን ከዕሪ ትብዓት ስለ ዝተረፎ ዝዀነ ዋጋ ክኸፍል ድልዊ ነበረ። ሓሳብ ኣምላኽ ክገብር ስለ ዝተላዕለ ድማ ሓለዋን መጎስን ኣምላኽን ምስኡ ነበረ።
ጽልዋ ኣብ ሕብረተሰብ፣- ከም ባርያ ዘይኰነ ከም ሓው ተቀበሎ (ጥቅሲ16)። የሱስ ኰነ ሃዋርያት ንባርነት ክጥፍኡ ተላዒሎም ኣይፈልጡን እዮም። ቀንዲ ዕላምኦም መንግስቲ ወንጌል ምስባኽ እዩ ነይሩ። ናይ ሰብ ድሕረ ባይታ ብዘየገድስ ወንጌል ንኹሉ ሰብ ምኻኑን፣ ንኹሉ ከም ዝልውጥን ተረዲኦም ነበሩ። ብግዚኡን ብዘይ ግዚኡን ድማ ንምንጋሩ ይተግሁ ነበሩ። ካብ ካህናት ሓላቁ ጭዋታትን ዘይተማህሩን ባራዩን ጎይተትን ድማ ንወንጌል ተኣዚዞም እዮም። ሓደ ካብኦም ድማ ኦነሲሞስ እዩ። “ሓው” ድማ ተባሂሉ። ታሪኽ ከም ዝምህረና ድማ ወንጌል “ባርነት” ደው ንምባል ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ይነግረና። እዚ ዝዀነ ድማ ወንጌል ኣብ ሰብ ኣትዩ፣ ምንነቱን ኣተሓሳስብኡን ስለ ዝቅይር እዩ። ኦነሲሞስ እንደገና ከም ስሙ ዝጠቅም ኰይኑ፣ “ቅድሚ ሕጂ ኣይጠመካን፣ ሕጂ ግና ንዓይ ንዓኻ ንሕብረተሰብን ይጠቅም እዩ”። እዚ ድማ ናይ ወንጌል ሓይሊ እዩ። እቲ ሰጓጊ ማሕበርን፣ ኣብ ምቅታል እስቲፋኖስ ዝሰመረ ጳውሎስ’ውን ምስክር እዩ። ታሪኽ ቀይሩ ናይ ክብሪ ኣቅሓ ከም ዝገብር ኣብ ህይወቱ ተመኪርዎ እዩ። “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣ ንዓና እንኣምን ግና ሓይሊ ኣምላኽ” እዩ” ድማ በለ። ንኣመናዝር፣ ቀተልቲ ነፍሲ ግብረ ሰዶማውያን ሰረቂ ሓሰውቲ መምለኽቲ ጣኦት መንቆልቲ..ወዘተ ቀይሩ ናብ ሕብረተሰብ ይጽምብሮም። ከም ዝጠቅሙ ድማ ይገብሮም።
መለኰታዊ ስራሕ ኣምላኽ፣- ዝተፈለየካ ንሓዋሩ መታን ክትረኽቦ እዩ ዝኸውን (ጥቅሲ15)። ኣብዚ ሓሳብ ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ኹሉ ብኣምላኽ ዝዀነ እዩ ኣይበለን። የግዳስ እቲ ዝዀነ ሕማቅ ነገር፣ ኣምላኽ ስለ ዝተጠቀመሉ፣ እቲ ሓንሳብ ካባኻ ዝረሓቐ ኦነሲሞስ፣ ንሓዋሩ መታን ንኽትረኽቦ ክኽውን ይኽእል እዩ ኢሉ ከረድኦ ፈተነ። ካብ ኣምላኽ ሕማቅ ኣይወጽእን እዩ። የግዳስ ካብ ዝተበላሸወ ሰናይ ነገር ምግባር ዝኽእል ኣምላኽ እዩ። ነቶም ዘፍቅርዎ ብስሙ ዝተጸውዑ ኩሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም ንኣምን ኢና (ሮሜ8)። ኣምላኽ ኩሉ ዝኽእል ስለ ዝዀነ፣ ብልዒ ካብ በላዒ ጥዑም ድማ ካብቲ ሓያል ከውጽእ ይከኣሎ እዩ። ከምቲ ጸላኢ ዝሓሰቦ ዘይኰነ፣ ኣምላኽ ንስርሑ ተጠቂሙሉ። ዮስየፍ ነሕዋቱ ዝበሎም’ውን ምስዚ ንብሎ ዘለና ይሰማማዕ፣ “ንስኻትኩም ንኽፍእ ሓሰብኩም…ኣምላኽ ግና ንጽቡቅ ሓሰበ”። ሃዋርያ ጳውሎስ ምስትውዓሉ ዝተኽፍተ ስለ ዝነበረ፣ ንፊሊሞን ከለብሞን፣ ዝተገልጸ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ከረድኦ ኢሉ እዚ ደብዳቤ ጸሓፈሉ። ካባኻ ሰሪቁ ሃዲሙ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ዝሃደሞ ኣምላኽ ስለ ዝተራኸቦ እሞ ስለ ዝለወጦ ናባኻ እሰዶ ኣለኹ። ስለዚ ተቀበሎ እናበለ የተባብዖ።
ምርዳእ’ዶ ወይስ ስልጣን ምጥቃም፣- (ጥቅሲ17-19,22) ጳውሎስ ክእዝዝ ስልጣን ነይርዎ ክነሱ ከም ሓው ክምዕዶ ደልዩ። ፊሊሞን ዝደሓነ ብስብከት ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ። ስለዚ ጳውሎስ ክእዝዞ መሰል ነይርዎ እዩ። እንተኾነ ካብ ብስልጣን፣ ብምርዳእ ናብቲ ቅኑዕ መገዲ ከምጽኦ ዝወሰዶ መገዲ ኣዝዩ ውቁብ እዩ ነይሩ። ፈትዩ እንተጌርዎ ዓስብን ፍረን ኣለዎ። ስለዚ ከገድዶ ኣይደለየን። ንኦነሲሞስ ይቅረ መታን ክብለሉ ዝተጠቀመሉ መገዲ ድማ “ከም ሓው ትርእየኒ እንተኰንካ” ዝብል እዩ ነይሩ። ሓይሊ “ሕውነት” ንሃዋርያ ጳውሎስ ጽቡቅ ጌሩ ተገሊጹሉ ነበረ። ሓደ ሰማያዊ ኣቦ ኣሎና። ብባህርይ ድማ ከምኡ ዝበለ የልቦን። ኣቦ ምሕረት እዩ። ንሱ ድማ ኣቦና፣ ንሕና ድማ ምሉዱ። ስለዚ ከም ውሉዱ፣ ናቱ ባህርይ ክንለብስ ይድለየና። ሓደ ኣቦ ስለ ዘለና ኩሉና ብኽርስቶስ የሕዋት ኢና። ከም ሓደ ስድራ ድማ ንሓድሕድና ክንቀባበል ግቡእ ኣለና። ከምቲ ንሱ ዝተቀበለና፣ ንሓድሕድና ክንቀባበል ይግብኣና። ብሓይሊ “ብስልጣን” ዘይኰነ ብምርዳእ “ሕውነት” ከእምኖ ደልዩ። ካብዚ ዚዓቢ ሞጎተ ድማ የልቦን።
ንጥፉእ ዝመልስ ዘስተኻኽል ሓይሊ፣- (ጥቅሲ10) ኦነሲሞስ ሞበቆሉ ፍርጋዊ እዩ ዝነበረ። ብታሪኽ ድማ ፍርጋውያን ብማህረምቲ ጥራይ እዮም ዝሰምዑን ኣደብ ዝገብሩ ዝብል ኣፈ ታሪኽ ነበረ። ወንገል ግና ዘይልውጦን ዘይቅይሮን ልቢ ከም ዘየለ ሓይሉ ኣመስኪሩ። መቅጻዕቲ መግረፍቲ መግናሕቲ ማእሰርቲ ከቅንዖ ዘይከኣለ፣ ወንጌል ግና ይፍውሶ እዩ። ከም ፈረስ ብሉጋም ክግራሕ ዘይከኣል፣ ወንጌል ግና ትኽኽል መገዲ የትሕዝ እዩ። እዚ ድማ ዓቢ ብስራትን ተስፋን እዩ። ነቲ ዝጠፍአ ዝረሓቀ ዝዀብለለ፣ ወንጌል ግና ይረኽቦን የቅርቦን። ሰብ ዝረሰዖ ካብ ሓሳቡ ዝደምሰሶ፣ ወንጌል ግና እንደገና ሰብ ጌሩ ናብ መጓሲኡን ህዝቡን ይጽምብሮ እዩ። ብመቁሕ ክተሓዝ ዘይከኣለ፣ ኣጋንንቲ ዝሰዓርዎ፣ ሰብ ዘሰክሐ፣ ካብ ሕብረተስብ ድማ ዝተገለለ፣ ሓይሊ ወገጌል ግና ሰብ ገሩ ምስ ሰብ ክጽምብሮ ይኽእል እዩ። ሓደ እኳ ኣሉ ክብለላ ዘይክእል፣ ዘገርም ተኣምራት ከገብር ይኽእል እዩ። ወንጌል ይልውጥ እዩ።
ንርሑቅ ዝጠመተ፣- ሓንሳብ ዝተፈለየካ ንሓዋሩ መታን ክትረኽቦ እዩ ዝኸውን (ጥቅሲ15)። የሕዋት ኰይኖም፣ ሕውነቶም ድማ ዘልኣለማዊ ኰይኑ። ኣብዛ ህይወት ጥራይ ዝውዳእ ዘይኰነ፣ ሞት ዘየቋርጾ ኣብ ሰማይ ዝቅጽል ሰማያዊ ሕውነት። እዚ ድማ ናይ ኣምላኽ ዘልኣለማዊ መደብ እዩ። ንጐይታን ባርያን ሓደ ገይሩ፣ መዋርስቲ ገበሮም። ብዘይ ምፍልላይ ንብረትን ዋንነትን ኣምላኽ ገበሮም። ብማሕተም መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተሓትሙ ነታ ትመጽእ መንግስቲ ወረስቲ ምዃኖም ርግጽነት ረኺቦም። ኣብ ኣምላኽ ኣይሁድ ጽርኣዊ ተባዕታይ ኣንስታይ ጭዋ ባርይ ዝተማህረን ዘይተማህረን ዝብሃል ከም ዘየለ ኣረጋጊጽሉ። ሓጢኣተኛ ጻድቅ፣ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያሎስን ጥራይ እዩ ወንጌል ዝፍልጥ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ መዝገብ ኣምላኽ የልቦን። መገዲ ኣምላኽ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዓሚቅ እዩ። መገዲ ኣምላኽ ከም መገዲ ሰብ ኣይኰነን። እቲ ሓንሳብ ካብ ፊሊሞን ዝተፈለየ ኦነሲሞስ፣ ኣምላኽ ስለ ዝረኸቦ ንኹሉ ግዜ ምስ ፊሊሞን መታን ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ዘግርም እዩ እዩ። ነቲ ሓቂ ክፈልጣ ኣእምሮ ስለ ዝሃቦ፣ ፍሊሞን ክርድኦ ይኽእል እዩ።