2ይ መጽሓፍ ነገስት 2፣23-24
እዚ ኣርእስቲ ምስ ነበብኩምዎ፣ ንገሌኹም ግር እንተኢልኩም ኣይምገረመንን። እዛ ኣርእቲ ካብ ባዕለይ ዝመንጨወ ኣይኰነን፣ ዋላ እኳ ደሌተይ እንተኰነ። እርኑብ ዘረባ’ውን ኣይመስልን ። ኣነ ባዕለይ’ውን እንተዀነ መጀመርታ ምስ ሰማዕክዎ፣ በቲ ሓደ ወገን ስሒቀ፣ በቲ ካልእ ድማ ሓሳበይ ተቀሲቡ። ግዜ ብዝሓለፈ ድማ ዕምቆቱ እናተገልሃለይ መጺኡ። ሓውና ኣገልጋሊ ገብሩ ኣብ ሓደ ከተማ ተዓዲሙ እናኣገልገለ ክብሎ ዝሰማዕክዎ እዩ። እዚ ምስ በለ፣ ኣነ ዝቀዳማዮም፣ ኩሉ ጉባኤ ስሒቁ። መበግሲ ሓሳቡ ካብ 2 ነገ ኰይኑ፣ ኤልሳእ ካዕበት ቅብኣት ተቀቢሉ ካብ ስግር የርዳኖስ ክምለስ ከሎ፣ ኣብ ቤት-ኤል ዝገጠሞ እዩ ዝትርኽ። ቁጽሮም ሒደት ዘይኰኑ ቆልዑ ደድሕሪኡ ኣናሰዓቡ፣ “ኣታ በራሕ ተመለስ” እናበሉ ከም ዘቃለልዎን ዝጸረፍዎን ይነግር። እዚ ዝነበበ ኣገልጋሊ ሓውና ድማ፣ ኣብታ ከተማ “ዕዋላ መንፈስ ነይሩ” ኢሉ ተዛርቡ።
ብዛዕባ “ኤልሳእ” ብዙሕ ክዛረብ ዘድልየኒ ኣይመስለን። እንተዝደሊውን በዛ ሓጻር ጽሑፈይ ክገልጾ ኣይምኽኣልኩን። ክፈልጥ የድልየኒ እዩ ንዝብል ግና 2ይ መጽሓፍ ነገስት ከንብብ ይኽእል እዩ። ብሕጽር ዝበለ ግና፣ ኤልያስ ንሓደ ንጹር ዕላማ ብኣምላኽ ዝተጸውዔን ዝተሓረየን ኣገልጋሊ እዩ ዝነበረ። ኤልያስ ብሰረገላ ሓዊ ምስ ተነጥቀ፣ ብዕጽፊ ቅብኣት ዝተንሰአ ኣገልጋሊ እዩ። ቅብኣት ኣምላክ ኣብ ልዕሊኡ ብሓይሊ ይዓይይ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ዝኸዶን ዝኣተዎን ንፈውሲ ነይሩ። ተጽዕንኡ ኣብ ልዕሊ ነገስታትትን ባህሊ ሕብረተሰብን ዓቢ ነይሩ። ልቡ ኣርሒቡ ንዝተቀበሎ’ውን ንበረኸት ዝዀነ ብሩኽ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ ዝነበረ። ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ ኤልያስ፣ ዕጽፊ መንፈስ ስለ ዝተቀበለ፣ ዕጽፉ ትኣምራት ዝገበረን፣ ኣጀንዳ ኣምላኽ ዘፈጸመን እዩ። ብሕጽር ዝበለ ብኣምላኽ ዝተጸውዐ፣ ንኣምላኽ ድማ ነቢሩ ዝሓለፈ እዩ።
ናብ ቤተሊሄም ምስ መጸ ግና፣ ኣብ ክንዲ ብኽብርን ብሓጎስን፣ ብጸርፍን ውርደትን ተቀበልዎ። ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ጻውዒትን ቅብኣትን ሰለ ዘይፈለጥዎ፣ ብንዕቀት ጠሚተምዎ። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፣ “እቲ ንዓኹም ዝንዕቅ፣ ነቲ ኣባኹም ቅዱስ መንፈሱ ዘንበረ ከኣ እምበር ንኣኹም ጥራይ ኣይኰነን ዝንዕቅ” ዝብል ኣይተገልጸሎም። እንተ ዝቅበልዎ፣ ከምቲ ብምኽንይት ፊሊጶስ ኣብ ሰማርያ ዝዀነ (ግብ 8)፣ ነታ ከተማ ዓቢ ሓጎስ ምዀነላ። ንጻድቅ ብስም ጻድቅ ዝቅበል፣ ዓስቢ ጻድቅ ይረክብ” ከም ዝተባህለ፣ ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዘቀመጦ ቅብኣት ተጠቀምቲ ምዀኑ። ብሓቂ ዓቢ መኽሰብ ምኸሰቡ። ብዙሓት ሕሙማት፣ ድኑሳት፣ ዕውራት፣ ሓንካሳት ምተፈወሱ። ከምቲ ኣቀዲሙ ኣብ ያሪኰ ዝዀነ (2 ነገ 2፣21) ምድሮም ምተፈወሰት። ንዝጸቅጦምን ዝዕምጾምን ምተዋግኣሎም። ብኣንጻሩ ግን ነታ ኣብኡ ዝረኣይዋ ጉድለት ትመስል ጠሚቶም። “በራሕ” ኢሎም ድማ ኣቃሊሎሞ። እዚ ድማ ብሓቂ ስድነት እዩ። ካብቲ ኣብኡ ዝነበረ ብርቱዕ ውህበት ኣምላኽ፣ ነታ ንእሽቶ ጉድለት ትመስል ክዛረቡላ ፈትዮም። እዚ ድማ ስነ ስርዓት ዘይተማህረ ኣእምሮን፣ ዘይተገዝረ ልሳን ስለ ዝነበሮም እዩ። ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ኣገልጋሊ ብድፍረት ክዛርቡ ምኽኣሎም፣ ብሓቂ ስድነት እዩ። “ዕዋላ መንፈስ” ድማ ኣብታ ክተማ ይገዝእ ነይሩ እንተተባህለ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኰነን።
ነዚ ፍጻመ ኣዝዩ ዘሕዝን ዝገብሮ ድማ፣ እቲ ዝዀነ ኣብ “ቤት-ኤል” ምንባሩ እዩ። ኩልና ንፈልጦ ይመስለኒ፣ “ቤት-ኤል”፣ ቤት እ/ሔር ዝብል ትርጉም ዝሓዘ እዩ። መለለይ ቤት-እ/ሔር ድማ እምነትን ስርዓትን እዩ። ኣብ ቤት እ/ሔር በረኸትን ምጽንናዕን ክህሉ ናይ ግድን ክኸውን ነይርዎ። እንተዘይኰይኑ ናይ ሓቂ ማንነቱ ዝሰሓተ እዩ ዝኸውን። እ/ሔር ኣብ ቤቱ ስለ ዝርከብ፣ ምክብባርን ምቅብባልን ክህሉ ንቡር እዩ። ኩሉ’ውን ከከም ዓቅሙ ምሕረትን ድንጋጸን ኣምላኽ ስለ ዝርዳእ፣ ድኻም ሓዉ ክጸውር፣ ንሓዉ ብዘይ ፍርዲ ክቅበል ዝቀለለ ባይታ ክህልዎ ነይርዎ። ብኣንጻሩ ግና፣ ኣብዚ ቦታ ስድነትን ቅለትን ገኒኑ ይርአ። ድፍረት ዘረባን፣ ሕሜትን ድማ ታእላው ኣይነበሮን። ብፍላይ ኣብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ኣጠማምታ ብሓቂ ዘሰክፍ እዩ። ንዝርኣይዎ ኣገልጋሊ ከነውሩን፣ ድኻሙ ክዛረቡን ቶጓእ ዝብሉ ኣይነበሩን። እዚ ድማ “ዕዋላ መንፈስ” ኣብቲ ቦታ ክሰርሕ ምቹእ ባይታ ስለ ዝነበሮ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ምጽንናዕ፣ መስበርቲ ኰይኑ። ኣብ ክንዲ ፈውሲ፣ ሞት በዚሑ። ኣብ ክንዲ ሓጎስ፣ ሓዘን ዓብሊሉ። “ቤት እ/ሔር” ከም ማንነቱ ኰይኑ ስለ ዘይተረኽበ፣ እቲ ኣብ ቤት እ/ሔር ዝርከብ ፍረ ድማ ተሳኢኑ። እዚ ድማ ሳዕቤን “ዕዋላ መንፈስ” ስለ ዝገዝአ እዩ።
ገሌካትኩም እዚ ዝገበሩ “ቆልዑ” እዮም ዝብል ምጉት ይህልወኩም ይኸውን። መልሰይ “እወ” እዩ። “ስድነትን ዕሽነትን ምልክት ቁልዕነት እዩ። ልቢ ቆልዑ ዕሽነት ተቋሪንዎ ኣሎ። ዝኣልዮን ዝምህሮን እንተዘይተረኺቡ ድማ ናብ ስድነትን ዕውልነትን ክዝንብል ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብዚ ከተማ ኸኣ ካብ ንቡር ዝወጸ ነገር ንምልከት። ቁጽሮም ሒደት ዘይኰኑ ቆልዑ ደድሕሪ ኣገልጋልን ቅቡእ ኣምላኽን እናሰዓቡ፣ ጸርፍን ቅለትን ክዛረቡ ብቀሊል ዝጥመት ኣይኰነን። ሓደ ወይ ክልተ ቆልዑ ኣይኰኑን፣ የግዳስ ካብ 40 ዘይውሕዱ ብስድነት ክመላለሱ፣ ኣብታ ከተማ ገለ ዝተበላሸወ ነገር ከም ዝነበረ ንምግማቱ ዘሸግር ኣይመስለንን። እዚ ድማ “ዕዋላ መንፈስ” ይሰርሕ ስለ ዝነበረ እዩ። ብዙሕ ሕቶ ክንሓትት ዝገብር ፍጻሜ እዩ። እመበርከ ነቶም ቆልዑ ወለዲ ኔሮሞም’ዶ? እንተነይሮሞም፣ ብቀረባ ይከታተልውም ነይሮም’ዶ? ዝገንሕን ዝቀጽዕን ኣይነበረን ድዩ? ዓገብ ኢሉ ዝኣሊ ተሳኢኑ? ቆልዑ ስለ ዝዀኑ ድሌቶም ክገብሩን ክዛረቡን ተፈቂድሎም እዩ ዝበለ የለን። ያዕ ዝብሎምን እታ ቅንዕቲ መገዲ ዝምህሮም፣ ዝገንሖምን ዝቀጽዖምን እንተዘይተረኺቡ፣ ልጓም ከም ዘይብሉ ፈረስ ክፋንኑ፣ ብስድነት ክመላለሱ ናይ ግድን እዩ። መስበርቲ መታን ከይከውን፣ ስነ ስርዓትንን ኣገባብን ዘትሕዝ ለባም ኣቦ፣ መምህር፣ መራሒ እንተዝርከብ!