"ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምጋባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር። ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ።"
ሉቃስ 6፡1-11
ደቀመዛሙርቲ የሱስ፡ ብመዓልቲ ሰንበት (ሻብዐይቲ መዓልቲ ናይ ሕጂ "ቀዳም") ሰዊት እናመሓዉ በእዳዎም እናሓሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ እሞ ፈሪሳዊያን በዚ ነገር "ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ ኣሎዅም?" ዝብል ሕቶ ምልዓል ጀመሩ። የሱስ ተመኩሮ ናይ ዳዊት ብምምጻእ መልሲ ሃበሉ ወሲኹ ድማ ሰንበት ንዝምልከት፡ ኣቛሙ "ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ!" ብምባል ገለጾ።
ካልእ ስንበትውን መኽሰሲ ምእንቲ ኪረኽቡሉ እስኪ ብሰንበት እንተ ኣሕወየ ብምባል ኣብ ቤት ጸሎት ይከታተልዎ ነበሩ’ሞ የሱስ ድማ ንሓደ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ፈወሶ። የሱስ ነዚ ሰብኣይ ቕድሚ ምፍዋሱ ግን ከምዚ ኢሉ ሓቲቱ ነበረ። ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምጋባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር? ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ?
ብሕጊ ሙሴ ንሰንበት ዝምልከት ብዛዕባ ሸዊት ምቕንጣብ እንታይ ተባሂሉ ኣሎ? ዘዳ.23፡25 ተመልከት። ምቕንጣብ ምብላዕ ይፍቀድ ኢዩ። ዓጺድካ ናብ ገዛኻ ምውሳድ ግን ኣይፍቀድን እዩ። ስለዚ ንደቀመዛሙርቲ ዘኽስሶምውን ኣይነብረን። እዚ ሕቶ መንቀሊ ናይ ሕሉፋውያን ሰንበት ኣኽበርቲ ፈሪሳውያን እዩ።
ሕጊ ሰንበት ይዅን ካልእ ብዘየገድስ ኵሉ ንደቒ ሰባት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ዝምድና ኪፈጥረሎም መታን ኬኽእሎም እምበር ጨቛኒኦም ኪኸውን ኣይተዋህበን። መፍረዲን መኽሰሲን ዘይኮነስ ጠቕሙ ምርዳእ እዩ እቲ ዝሓይሽ። ሰንበት መሳርሒት ጽድቒ እምበር ኣሳሪት ዕዮ ኣምላኽ ኺትከውን ኣይግባእን።
ንሰንበት (ሻብዐይቲ መዓልቲ) ዚምልከት ጥቅስታት፣
*ትእዛዝ ኣምላኽ ዘጽ.20፡8, 34፣21, 35፣3
*ጽቡቕ ግብሪ ማቴ.12፡12, ዮሃ9፡14, ግብ17፡2
*መቕጻዕቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘጽ.31፡14
ቀዳማይቲ መዓልቲ ሕጂ ሰንበት እንብላ ዘሎና 'እሁድ'፡ ከም ሰንበት ናይ ሓዲሽ ኪዳን ኮይና ንረኽባ። ማር 16፡9 ክርስቶስ ንማርያም እተራእየላ መዓልቲ (ኣብ ትንሳኤኡ)። የሱስ ንሰብ ኤማሁስ ዝተገልጸሉ መዓልቲ (ሉቃ 24፡13-15)፣ የሱስ ንደቀመዛሙርቲ ዝተገልጸላ መዓልቲ (ዮሃ 20፡19)፣ ጳውሎስ ንሰብ ጥሮኣስ ዝመሃሮም መሃሮም (ግብ20፡7)፣ ዮሃንስ ፍሉይ ራእይ ዚረኣየሉ መዓልቲ (ራእይ 1፡1—11) ሰንበት ነበራ።