መሪጹኒ ተመሪጸ
ፈትዩኒ ተፈቲየ
ኣፍቂሩኒ ተፈቒረ
ግን ስለምንታይ...፧
እንታየ’ዩ ጽቡቕ ዘዕርኽ
ኣቤሎ ተግባረይ ዝማርኽ ፧
ረሳሕዶ ኣይነበርኩን ዘይጸረየ ልቡ
ክፍኣት ዝሓብኤ ከም ቅኑዕ መሲሉ
ፋሉልዶ ኣይነበርኩን ስርዓት ዘይብሉ
ዝኸይድ ዝጓዓዝ ባህ ከም ዝበሎ
ሓሳዊዶ ኣይነበርኩን ሓሶት ዝቐለቡ
ክልተ ዝመልሓሱ ሓቂ ዘይመትከሉ
ጸላኢዶ ኣይነበርኩን ጽልኢ ዝኣመሉ
ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ኣብ ውሽጡ ዘይብሉ
ግን...
ግን ፍቕሪ ኰይኑ ቲ’ፍቃሪ
ተፈቒረ ብፍቕሪ
ብዘይምኽንያት ብዘይምኽሪ
ብኸምኡ
ከይበቓዕኩ ንዕኡ።
እወ
ኣፍቂሩኒ ተፈቒረ
ብፍቕሪ ተማሪኸ ተማሂረ
ልበይ ብፍቕሪ ተመሊኤ
ተለዊጠ ተቐዪረ
ንኹሉ ዝበቕዕ ፍቕሪ ተዓዲለ
ከፍቅር ተፈቒረ!!
“ኣቱም ፍቑራተይ ፣ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽእያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር።
ዜፍቅር ዘበለ ኹሉ ካብ ኣምላኽ እተወለደ እዩ፣
ንኣምላኽ’ውን ይፈልጦ እዩ።”
1ዮሃ 4.7