ምርሓኒ በቲ ህያው ቃልካ
ኣዒንተይ ይብራህ በቲ ብርሃንካ
ልበይ ኸስተውዕል ኸስተንትን ትእዛዛትካ
ብምርዳእ ኽሰማማዕ ምስቲ ሓሳባትካ
ኹሉ ናተይ ሓዲገ ኽመርጽ ፍቓድካ
ዎ ጐይታ ሰሓበኒ፡ ትኸለኒ ኣብ ቃልካ።
ዎ ጐይታ! ሰሓበኒ . . .
ምርሓኒ በቲ ቕዱስ መንፈስካ
ብሕጉስ ልቢ ፈትየ ኽስዕበካ
ደድሕሬኻ ክኸይድ ክኽተል ኣሰርካ
ኸይዝሓጥ ኸይተርፍ ካብ ምስዓብካ
ኽጎዪ ኽመላለስ ከምቲ ቕዱስ ቃልካ
ዎ ጐይታ ሰሓበኒ፡ ደግፈኒ ብመንፈስካ።
ዎ ጐይታ! ሰሓበኒ . . .
ሕዘኒ በቲ ዘይልወጥ ፍቕርኻ
ኣዒንተይ እናጠመታ ፍትወይ ንዓኻ
ኣእዛነይ እናሰምዓ ‘ቲ ጥዑም ድምጽኻ
እናርኣኹ ዘደንቕ ዕቤት ናይ ግርማኻ
እደሊ'ለኹ ክኸውን ኣብቲ ሕቑፍኻ
ልበይ ይወነን ይመላእ ብኣኻ
ዎ ጐይታ ሰሓበኒ፡ ኣጽንዓኒ ኣብ ፍቕርኻ።
“ደድሕሬኻ ኽንጎይስ፡ ሰሓበኒ፡ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኙ ኣእተወኒ፡ ብኣኻ ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናን እዩ፡ ሓለፋ ወይኒ ንፍቕርኻ ኽንንእድ ኢና፡ ብቕንዕና እየን ዚፈትዋኻ ።” (መሃልየ መሃልይ 1፣4)