የሱስ ከድሕነኒ ኢሉ ካብ ሰማይ እንተ ዘይወርድ
ሱቕ እንተ ዝብል ነይሩ ኣምላኽነቱ ከይሓድግ ኢሉ
ስመይ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኣይምተረኽበን
ከመይ ገይሩ እሞ ክገብረሉ ክርኢ ጥፍኣትይ
ኣምላኸይ ደኣ ሰብ ኰይኑ ወረደ ከድሕነኒ ንኣይ
መን ምዘከርኒ ኣብቲ ሲኦል፧
ገመድ ካብ ኽሳደይ የሱስ እንተዘይፈትሓለይ
ድኻመይ ጎይታ እንተዘይወስደለይ
ንሱ ምእንታይ እንተዘይስቀየለይ
ሓጥያተይ የሱስ ኣብ መስቀል እንተዘይሰቕለለይ
ቅንዕ ኢለ ክጥምት ክሳደይ እንተዘየቕንዓለይ
ንሞተይ ጎይታ እንተዘይሞተለይ
ሂወቱ ኣብ ክንዲ ሂወተይ እንተዘይህበለይ
ወዲ ኣምላኽ ክንሱ ትሕት ኢሉ እንተዘይወርደለይ
ትምክሕተይ ኩሉ እንተዝይሰብረለይ
ንመን ምመሰልኩ፧
ኣነ ኣበይ ምሃለኹ ፧
ነይረ ኣብዛ ምድሪ፣ ኣብ መወዳእታ ሲኦል ምወረድኩ
እወ ኣብ ዘይጠፍእ ሓዊ ንዘልኣለም ምተሳቐኹ
የሱስ ዕዳይ ከፊሉ ኣድሒኑኒ ይመስገን መድሓኒ።
“የሱስ ከኣ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ…” ዮሃ 14፣6